400 ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም By assenna

Rescue_mig
 ካብ ሊብያ ብጀላቡ  ናብ ኢጣልያ ክሰግሩ ዝፈተኑ 400 ሰባት ኣብ ማኣከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ካብቲ ሓደጋ ብሂወት ዝደሓኑ ንማሕበር ዘይመንግስታዊ ማሕበር ህጻናት ኣድሕን ሓቢሮም::ኣብዞም ሂወቶም ስኢኖም ዘለው ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ክህልው ከምዝኽእሉ ይግመት::ኣብዚ ሳልስቲ ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ሰባት እቶም ልዕሊ 5ሽሕ ሰባት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብዝበጽሑ ብናይ ሂወት  ስርሒት ሓይሊ ባሕሪ ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከም ዝተረፉ ቢቢሲ ሓቢሩ::

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዘይካ እቲ በብእዋኑ ሂወት ኤርትራውያን ዝበልዐ  ሓደጋታት ባሕሪ :ኣብ ከባቢ ላምፐስዱሳ ወደብ ኢጣልያ 367 ቆልዓ ሰበይቲ ዝርከብዎም መንእሰያት ኣብ ሓደ እዋን ከም ዝጠሓሉን ሬሳታቶም ንቡር ስነስርዓት ቀብሪ ከይረከበ ስድራቤቶም ኣብ ሰንፈላል ከምዘለውን ይፍለጥ::

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *