Breaking News: ኣብዚ ሰሙን ዚ ፣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ጥራይ 613 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሸገራብ ከምዝኣተዉ ምንጭታት ኣሰና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

Eri_Refugees15ኣብዚ ሰሙን ዚ ፣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት፣ ማለት ዝሓለፈ ሰኑይ፣ሰሉስ ረቡዕን ጥራይ 613 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብቲ ኣብ ሱዳን ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገራብ ከምዝኣተዉ ምንጭታት ኣሰና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት 123 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን 75 ደቀንስትዮን ይርከቡዎ።

እዚ ዝተጠቕሰ ቁጽሪ ስደተኛታት ነቶም ብላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራ ሃገራት ከይተመዝገቡ ብቐጥታ ናብ ካርቱም ዝኸዱ ስደተኛታት ዝዓምም ኣይኮነን።

እቶም ንዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራውያን ንነዊሕ ዓመታት ከስተብህሉሉ ዝጸንሑ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ምንጭታት በዚ ንቡር ዝሰኣነ መመሊሱ ዝውስኽ ዘሎ ፍሉይ ናህሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ `ሃገር ትጠፍእ ኣላ` ክብሉ ዝተሰምዖም ክቱር ስንባደ ገሊጾም።

ብወገን ኢትዮጵያ `ውን ካብዚ ብዘይፍለ መንገዲ ልዑል ጻዕቂ ዘለዎ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘሎ ክመጽኡ ዝጸንሑ ሓበሬታት የመልክቱ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *