ኣገዳሲ መጸዋዕታ፡ ርድኢትን ተራን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሚሽን መርማሪት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት (UN Commission of Inquiry on Eritrea) 12/18/2014

መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ
Network of Eritrean Civil Societies in Europe (NECSEurope)
1214 Vernier – Geneva – Switzerland –
EritreanCivicOrg@yahoo.com
ኣገዳሲ መጸዋዕታ፡
ርድኢትን ተራን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሚሽን መርማሪት ኩነታት ሰብኣዊ
መሰላት (UN Commission of Inquiry on Eritrea)
ክቡራት ነበብቲ፡ መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ
(መ.ኤ.ሲ.ማ.- ኤውሮጳ)፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስን ፍትሕን ነጊሱ፡ ሰብኣዊ
መሰላት ዜጋታት ንክኽበር፡ እጃሙ ንምዉፋይ፡ ኣብ 2002 ዝቖመ፡ ምስ ኩለን
ፖለቲካዊ ዉድባት ማዕረ-ርሕቐት (equidistance) ሒዙ ንኽጓዕዝ ዝጽዕት፡
ናጻ ጽላል 8 በርጌሳዊ ማሕበራት ኢዩ። መርበብና፡ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ንምቕራብ
ዝደረኾ ረቛሒታት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት (ው/ሕ/ሃ/)፡ ንሕሰም ናይቲ ዓጋቲ
ዝሰኣነ፡ ማዕበላዊ ስደት ህዝብና፡ ሂብዎ ዘሎ ጠመተን፡ ኣቝምዎ ዘሎ ኮሚሽን
መርማሪት ኩነታት ሰብኣዊ መሰላትን (UN Commission of Inquiry
on Eritrea) ብዘርኢ፡ ሓበሬታ ንምሃብ፡ ዕማም’ታ ኮሚሽን ንኽዕወት፡ ከም
ዜጋታት ብሓፈሻ፡ ከም ደለይቲ ፍትሒ ከኣ ብፍላይ፡ ክንደፍኣሉ ዘሎና
ነጥብታት ብምድማቕን፡ ክንዓሞ ዝግባእ ዕዮ ብምንጻርን፡ ዘየላቡ መጸዋዕታ
ንምምሕልላፍ ኢዩ።
እምበኣር፡ ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ ሎሚ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብ ዓለም መለለዪኣ ፡
ከም ምንጪ ሰደድ ብሉጽ ኣቑሑት ዘይኮነትሲ፡ ምንጪ ቐጻሊ ስደት ህዝባ፡
ብቐንዱ ከኣ ተረከብቲ ሃገር ዝኾኑ መንእሰያታ ብምዃና፡ ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ
ብዝሒ ስደተይኛታት ዝልእካ ሃገራት (top exporters of refugees) ፡
ኣስሚይዋ ኣሎ። ጠንቒ ናይዚ ስደት፡ ኣብ 1991 ብመደያይቦ መሬታዊ
ሉኡላዊነት (Territorial Sovereignty) ፡ ኣብ ስልጣን ዝሓኾረ’ሞ፡
ክንዮ ምስ ህዝቡ ምብኣስ ፡ ሰላም ጎረባብቱ ዝዘርግ፡ ጠላም ስርዓት ህግደፍ’ዩ።
ብዓንተቦኡ፡ ብስርዓተ-ሕጊ ዘይምእዘዝ መንግስቲ፡ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ
ክሕሉ ምጽባይ፡ ግርህነት’ዩ። ኣብ ኤርትራ ተጋሂሱ ዘሎ ዓይነት ሰብኣዊ መሰላት
ካብ ምዝርዛር፡ ብግልባጡ ምናልባሽ ብወዝቢ ዝተኸብረ ሰብኣዊ መሰል
እንተልዩ ሃሰስ ምባል ክሓይሽ’ዩ። እሱ’ውን ኣብ ቕሚጦ ሓሰር፡ መርፍእ ከም
ምንዳይ እዩ ክኸውን። ክንዲ ዝኾነ፡ ስርዓት ህግደፍ ደይ መደይ ኢሉ ካብ
ዝፈጸሞ፡ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ (systematic and widespread) ፡
ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ነቶም ፍሩያት ጸኒሕና፡ ክንጠቕስ ኢና። ቐንዲ ጠንቂ ናይቲ ስደት፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ኣብ ኤርትራ
ሙኻኑ፡ ንሕብረተሰብ ዓለም ንምግላጽ፡ ሳላ እቶም ብሃገሮም ዝስገጉ
ኤርትራውያን፡ ደለይቲ ሰናይ ኤርትራ ዝኾኑ ወጻእተኛታት፡ ትካላት ተጣበቕቲ
ሰብኣዊ መሰላት፡ በርጌሳዊ ማሕበራት፡ ምሁራን፡ ኪኢላታት ሕጊ፡ ኣካየድቲ
መራኸቢ ብዙሃን፡ ምንቕስቓሳት መንእሰያት፡ ማሕበራት ደቂ-ኣንስትዮ፡
ፖለቲካዊ ዉድባት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዘይመንግስታዊያን ትካላትን ካልኦት
ኣብዚ ክጥቐሱ ዘይተኻእለ ደለይቲ ፍትሒ ዘካየድዎ እኩብ ድምር ጻዕሪ፡ ቤት
ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዉድብ ሕቡራት ሃገራት (ዉ/ሕ/ሃ/) UN Human
Rights Council ኣቓልቦ ሂብዎ። ብመሰረት’ዚ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ
መሰላት ዉ/ሕ/ሃ/ ኣብ ናይ ሓምለ 2012 ውሳኒኡ፡ ነቲ ብህሎ ኣብ ኤርትራ
ብደይ መደይ ዝፍጸም፡ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ምግሃስ ሰብኣዊ
መሰላት፡(allegations of systematic and widespread
violations of human rights) ዝምርምርን ዘመጻርይን፡ መዝነት
(mandate) ፍሉይ ጸብጻቢ/ት መስሪቱ።
ምስ’ዚ ብዝሳነ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዉ/ሕ/ሃ/፡ ኣብ ጥቕምቲ
2012፡ ሓንቲ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ዝድሕረ-ባይታኣ፡ Ms Sheila B.
Keetharuth ንዝተባህለት ምኵርቲ ኪኢላ ጓል ሞሪሸስ፡ ከም ፍልይቲ
ጸብጻቢት ዉ/ሕ/ ሃ/ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ (Special
Rapporteur on the situation of human rights in
Eritrea) መዚዙዋ። እታ ፍልይቲ ጸብጻቢት፡ ነቲ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት
ንምምርማር፡ ናብ ኤርትራ መእተዊ ፍቓድ፡ ብተደጋጋሚ ን’መንግስቲ’ ሓቲታ፡
ከም ልማዱ ኣጽቒጡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ነቲ ምቛም መዝነታ፡ ‘ፖለቲካዊ ጸግዒ
ዘንቐሎ (politically-motivated) ዉሳነ’ዩ’ ኢሉ ነጺጉዎ።
እታ ፍልይቲ ጸብጻቢት፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ምእታው ኣኽእሎ’ኳ (access)
እንተዘይረኸበት፡ ምስ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ
ብምርኻብን፡ ናብተን ምስ ኤርትራ ዝዳወባ፡ ሓደ ሓደ ሃገራት ከይዳ፡ ኣብኡ ምስ
ዘለዉ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ቓለ-መሕትት ብምግባር፡ ሓበሬታ ክትእክብ
ጸኒሓ። ድሮ ናብ ጂቡቲን ኢትዮጵያን ከይዳ ንስደተኛታት ኣዘራሪባ ኣላ። ኣብ
ኤውሮጳ እውን ኣብ ስዊዝ፡ ጀርመን፡ ጣልያን፡ ማልታ፡ ንዝርከቡ ስደተኛታት
ተመሳሳሊ ርክባት ኣካይዳ። ክሳብ ቱኒዝያ ከይዳ’ውን፡ ነቲ ኩነታት ስደተኛታት
ተኸታቲላ። ንሳ፡ ኣብ 13 ግንቦት 2014፡ ኣብ ዘቕረበቶ 2ይ ክፋል ጸብጻባ፡
ብዘካየደቶ ምምጽራይ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ዛጊት ከም
ዘይተመሓየሸ፡ እኳ ደኣ በብእዋኑ እንዳበኣሰ ይኸይድ ምህላዉ፡ ፡ ንቤት ምኽሪሰብኣዊ መሰላት ዉ/ሕ/ ሃ/ ሓቢራ። (ነቲ 1ይ ጸብጻባ፡ ኣብ 28 ጉንበት 2013 እያ
ኣቕሪባቶ።)
እቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ናይ 27 ሰነ 2014 ኣኼባኡ፡ ኣብቲ
ዝቐረበሉ ጸብጻብ ተሞርኵሱ፡ ነቲ ብመሪሕነት ሶማሊያ ተሰናዲዩ፡ ብፈረንሳ
ዝተደገፈ (co-sponsored)፡ መርማሪት ኮሚሽን ንኽትቐውም ዝቐረበ
ንድፊ ኣጽዲቑ። ነቲ ብሰብ-መዚ ኤርትራ ብቐጻሊ፡ ኮነ ኢልካ ዝፍጸምን፡ ሰፊሕ
ዝርጋሐ ዘለዎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን መሰረታዊ ናጽነትን ኣትሪሩ ኮኒኑ።1
ነቲ
ብህሎ (allegation) ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንምምጽራይ፡
ንሓደ ዓመት እተገልግል፡ እታ ፍልይቲ ጸብጻቢት እትርከባ፡ ሰለስተ ዝኣባላታ
መርማሪት ኮሚሽን UN Commission of Inquiry (COI) on
Human Rights in Eritrea ኣቝሙ። እቲ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት፡
ካብቲ ዝጸንሐ ጽፍሒ ፍልይቲ ጸሓፊት፡ ናብዚ ሓድሽ ኣቓዉማ ኮሚሽን
ንኽብርኽ ምውሳኑ፡ ነቲ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ፡ ዝሃቦ ግቡእ ኣድህቦ ዘንጸባረቐ፡ ሓደ
ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት ኢዩ፡ ክበሃል ይከኣል።
እታ ኮሚሽን፡ ንምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዘርኢ፡ ዘይተነጸሩ ነጥብታት
እንተልዮም፡ ከምዝንጸሩ ብምግባር፡ ዉድዓዊ ሓቕታት ከተቕምጥ ትጽቢት
ይግበረላ። እታ ኮሚሽን፡ ምርመራታት እተካይደሎም ቐንዲ ስርርዓት፡ ንሰባት
ብሃውሪ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታውን ካብ ሕጋዊ መስርሕ ወጻኢ ዝግበር
ምርሻንን (arbitrary detention and extrajudicial executions)፡
ስቕያት ደቒ-ሰባትን ኢ-ሰብኣዊ ኣተሓሕዝኦምን (torture and
inhumane treatment)፡ ምግሃስ መሰላት ናጽነት ሃይማኖት፡ ሓሳብካ
ምግላጽን ካብን ናብን ምንቕስቓስን (violations of freedoms of
religion, expression, movement)፡ ግዱድ ዕዮ(forced
labour)፡ ምዉፋር ቖልዑ ኣብ ዕዮ (child labour) ፡ ግዱድ ወተሃደራዊ
ዕስክርናን (forced military conscription)፡ ምስ መወዳእታ ዘይብሉ
ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተኣሳሰር፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ቖልዑትን
የጠቓልል።
‘መንግስቲ’ ኤርትራ ብመገዲ ኣምባሳደሩ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን፡
ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ (ወዲ-ገራህቱ) ኣቢሉ፡ ነቲ ምምስራት ናይታ
ኮሚሽን፡ ‘ብጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ዝተጐልበበ፡ ፖለቲካዊ ጸግዒ ዝደፋፈኦ
ብህሎ ኢዩ’ ክብል ነጺግዎ። እቲ ኣምባሳደር፡ ኤርትራ ብድሆታት ሰብኣዊ
መሰላት ከም ዘጋጥማን፡ መንግስቲ ነዚ ኣለሊዩ፡ ብቐጻሊ ዝቓለሰሉን እዩ ክብል
ከኣ ተመጻዲቑ። ክንዲ ዝኾነ፡ እታ ኮሚሽን፡ ናብ ኤርትራ ከይዳ፡ ነቲ ከተካይዶእትደሊ ዘላ ምጽራይ፡ ንከተሰላስል ዘይፍቐደላ ሙኻኑ፡ ብኣግኡ በሪሁ’ሎ
ማለት እዩ።
እዛ ኮሚሽን ምስ ቖመት፡ ዑደታ ብስዊዝ ብምፍላም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ
ከተማታት ጀነቭ፡ በርንን ዙሪክን ዝርከቡ ስደተኛታት፡ በጺሑና ዝብልዎ
በደላትን፡ ኣብ ካልኦት ተፈጺሙ ዝብልዎን ግፍዕታትን፡ ከም መሰኻኽር ዓይኒ፡
ሓበሬታ ትሰንቐሉ ቓለ-መሕትት ኣካይዳ። ብድሕር’ዚ፡ ኣብ ዓዲ ጣልያን፡
ምስቶም ኣብ ሮማ፡ ቦሎኛን ሚላኖን ዝርከቡ ስደተኛታት ብተመሳሳሊ
ተራኺባ። ኣብ ዝመጽእ እዋን፡ ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን፡ ገለ ካብተን
ጎረባብቲ ኤርትራ ዝኾና ሃገራትን እውን ከም ትበጽሕ ተፈሊጡ ኣሎ። እዛ
ኮሚሽን፡ ኣብዘን ተሪፈናኣ ዘለዋ ኣዋርሕ፡ ምስ ዲፕሎማሰኛታት፡ እንተላይ ምስ
ናይ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብያተ ጽ/ ዉ/ሕ/ ሃ/፡ ምሁራንን በርገሳዊ ማሕበራትን
ድሕሪ ምክያድ፡ ጸብጻባ ንቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዉ/ሕ/ ሃ/፡ ከተቕርብ
እያ።
ርግጽ’ዩ፡ እዛ መርማሪት ኮሚሽን ፍርዳዊ ትካል ኣይኮነትን። ቐንዲ ዕማማ፡
ብዝምልከቶ ኣህጉራዊ ወይ ሃገራዊ ፍርዳዊ ኣካል ምርመራ ገበን ንኽካየድ
ዘኽእሎ፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዊነት (crimes against humanity)
ምፍጻሙ ፡ ዘእምን መርትዖ ምቕራብ እዩ። ምቛም መርማሪት ኮሚሽን፡ እቲ
ኣህጉራዊ ሕጊ ገበነኛታት ዝእዝዞ መቕጻዕቲ ዘንብረሉ፡ ንቡር መስርሕ እዩ።
ጸብጻብ እታ መርማሪ ኮሚሽን፡ ብኡ ንብኡ ኣብ ዝባን መንግስቲ ኤርትራ
መቕጻዕቲ ናብ ምሽናን ዘመርሕ’ኳ ተዘይኮነ፡ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዉ/ሕ/ ሃ/
ጸብጻባ ምቕራብ ፡ ናብኡ ገጹ ዘቕንዕ ኣድላዩ ስጉሚ እዩ። ንኣብነት፡ ኣቐዲሙ
ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፡ (International Criminal Court)
ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ሱዳን፡ ሊብያን ኮት ዲ-ቩዋርን ዝቐንዐ መቐየዲ ትእዛዝ
ቤት ፍርዲ (arrest warrant)፡ ምስቲ ውጽኢት ጸብጻብ ናይተን
ዘዝምልከተን መርመርቲ ኮሚሽናት፡ ዝተሓሓዝ እዩ።2
ክቡራት ነበብቲ፡ እቲ ምዕባለታት ኣተሓሕዛ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብሕጽር
ዝበለ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ዘየላቡ ሕቶ፡
‘ሕብረተሰብ ዓለም’ሲ፡ ብኸምኡ ይነጥፍ ኣሎ፡ ተራን ሓላፍነትን ኩላትና
ደለይቲ ፍትሒኸ፡ እንታይ እዩ?’ዝብል እዩ። እምበኣር፡ እቶም ኣብ ኤርትራ
እንከለና፡ ሰብኣዊ መሰልና ተጋሂሱ ዝተበደልና ሰባት፡ ነታ ሰክረታርያት
መርማሪት ኮሚሽን፡ እቲ ቕኑዕ ሓበሬታ ምምጋብ ከድልየና እዩ። ዝተበደሉ
ኣባላት ቤተሰብና፡ መቕርብና፡ ዓርኪ-መሓዛ ወይ ካልኦት እንፈልጦም ሰባት ምስ
ዝህልዉ’ውን፡ ከም መሰኻኽር ኰንና ክንቐርብ ይግባእ። እቶም ዝተረፍና
ደለይቲ ፍትሒ ድማ፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ እንከለው ዝተገፍዑ፡ ግን ከኣ ነቲእከይ ተግባራት ናይቲ ስርዓት ንምቕላዕ፡ ዘይደፈሩ ግዳያት ምስ ዝርከቡ፡
ንዓዓቶም ምትብባዕ ኣገዳሲ እዩ።
ኣብዚ ምናልባሽ ሓደ ሓደ ሰባት፡ ብገርሆም ’መንግስቲ ከምዚ በዲሉኒ፡ ኣሲሩኒ፡
ቐጥቒጡኒ፡ ኢልካ ንሓይልታት ደገ ሓበሬታ ኣሕሊፍካ ምሃብሲ፡ ምስ ምድፋር
ልኡላዊነት ናይታ ሃገር ዝዳረግ ዶ ኣይከውንን? ብተወሳኺ፡ ‘እዝስ ነቲ ተኣፋፊ
ዝኾነ፡ ጸጥታዊ መዳይ ናይታ ሃገር ተንኪፉ፡ ንድሕነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ
ምእታው ዶ ኣይኮነን?’ ዝብል ሕቶታት ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ
ልኡኻት ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ፡ ነቲ የዋህ ኣተሓሳስባ ዜጋታትና፡ ዓይኖም
ከይሓሰዩ ክምዝምዝዎ፡ ግድን’ዩ። እቲ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ኣገዳሲ ነጥቢ ግን፡
እቲ ልኡላውነት ቕድም ቐዳድም ዝምልከቶ ነቲ ህዝቢ ኢዩ። እቲ ጎላጉል፡
እምባታት፡ ሽንጭሮታት፡ ሩባታት፡ ባሕሪ … ወዘተ ብድሕሪኡ ኢዩ ዝስዕብ።
እቲ ህዝቢ ኢዩ ነቲ መሬት ዝሕልዎን ዝከላኸለሉን እምበር፡ ብግልባጡ፡
ኣይኮነን፡። ንልኡላዊነት ህዝቡ ዘይኽበረ ዘይህዝባዊ ስርዓት፡ ‘ልኡላውነት’ ኢሉ
ብምጭርሑ፡ ተሓሊቑሉ ማለት ኣይኮነን። መሰላት ህዝቢ ዓፊኑ፡ ወትሩ ጸረ-
ህዝቢ ተግባራት ዝኣልም፡ ‘ቕድሚ ኹሉ ሃገር‘ ኢሉ ከጋውሕ፡ ምስሉይነት
(hypocracy) ኢዩ። እቲ መሬት ኤርትራ እንተኾነ፡ ኣብ ዝኸዶ የብሉን።
ዝደፍኦ ስለ ዘይብሉ ከኣ፡ ኣብኡ እዩ ክጸንሕ።
ምስ ህዝቡ፡ ብስኒት ዝነብርን፡ ኣብ ጉዳይ እንዳማቱ ከይኣተወ፡ ኣመት ቕሳነትን
ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝቡን ዘቐድም መንግስቲ፡ ንሉኣላዊነት ናይታ ዝመርሓ
ሃገሩ ዝደፍሮ፡ ሓይሊ ወጻኢ ኣይህልዎን። ምናልባሽ ንኽደፍር ዝፍትን ደጋዊ
ሓይሊ ኸኣ፡ እቲ ህዝባዊ መንግስቲ ምስ ህዝቡ ሰሚሩ ብምምካት፡ ልኡላውነት
ሃገሩ ንኸዉሕስ ኣይእግሞን። እንተ’ቲ ፡ ነቲ ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ዘይጽንቐቕ
ፍቕሪ መዝሚዙ፡ ወግሐ-ጸብሐ ኣቓልቦ ህዝቢ ንኸዝብል፡ ምስ ጎረባብቲ
ሃገራት፡ ብኢደ-ወነኑ ኣብ ዘዝወልዖ መጋርያ ሓዊ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምስ ጠበሰ፡
‘ተወረርና ፡ ኣብ ናይ ኣይ ሰላም፡ ኣይ ኵናት ኩነተ-ህላወ ስለ እንርከብ፡ ቕዋም
ክንትግብር ኣይንኽእልን‘ እንተበለ፡ ብሉይ ስልቲ ፡ ሜላ ገረብ ብሓኽላ፡ ካብ
ምዃን ኣይሓልፍን። ቕድሚ ዝኣገረ፡ ልኡላውነት ህዝቢ ዝደፈረ እንተልዩ፡
ባዕሉ እቲ ስርዓት እዩ። ንኤርትራ ናብ ሲኦላዊ ምድሪ ቐይሩ፡ ነቲ ህዝቢ ነውኒዉ
ነዋኒዉ፡ ሃጽ ኢሉ ከም ዝጠፍእ ዝገብር ዘሎ ክነሱ፡ ‘ሓይልታት ደገ ይጻብኡና
ኣለዉ’ ኢሉ እንተ ኣእወየ፡ ከም መራጐዲ’ቲ ዕባራ መኽኒቱ ተኾኖ ድማ፡
‘ብዉዲት ኣሜሪካ ተዘሪና’ ኢሉ ታሪኽ እንተ ኣኾምስዐ፡ ንብዓት ሓርገጽ
ምንብዑ እዩ።
ኣብዚ ኣስተብህሎ ዝጠልብ ጉዳይ እንተሊዩ፡ ህግደፍ፡ ምሕላው ፖለቲካዊ
ልኡላዊነት ህዝብስ ይትረፎ (ባዕሉ’ውን ይደፍሮ ስለ ዘሎ)፡ መሬታዊ ልኡላዊነትምናልባሽ ብሓይልታት ደገ ክጭርመም እንተተፈተነ እውን፡ እቲ ኩነተ-ህላወ
ንመንበረ-ስልጣኑ ክሳብ ዘየስግኦ፡ ንመመሻኸንን ንመሀመልን ህዝቢ
ኽምዝምዞ‘ምበር፡ ዝዓጅቦን ዝስቖሮን’ሲ ኣይኮነን። እሞ፡ እቶም ነቲ ርክብ
ምስታ ኮሚሽን፡ ከም ምድፋር ልኡላዊነትን ምስጢራውነትን ክንወስዶ
ዝጸናሕና ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ነቲ ስርዓት፡ ‘ እቲ ጉዳይ ምኽባር ልኡላውነትን
ምዕቓብ ምስጢር ሃገርንሲ፡ ንዓና ነቶም ሰብ ዉራይ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግደፈልና’
ንበሎ።
ክንዲ ዝኾነ፡ ግዳያት ወይ መሰኻኽር ምስ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝዛመድ፡
ሓበሬታትና ከነቕርብ ምስ እንደሊ፡ ነዚ ዕማም እዚ ንኸተሰላስል፡ ቖይማ ምስ
ዘላ ሰክረታርያት ናይታ ኮሚሽን፡ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ምርካብ ይከኣል።
By email to: coieritrea@ohchr.org
By post to:
Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea
UNOG-OHCHR
8-14 Rue de la Paix
CH-1211 Geneva 10, Switzerland
ዳይረክተር ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ Human Rights
Concern – Eritrea (HRCE) ፡ ሓብትና ኤልሳ ጭሩም ፡ ምስ ተሓጋገዝቲ
ብጾት ኮይና ዘሰናዳኣቶ፡ ኣገዳሲ ወብሳይት እዉን እነሀልኩም። http://coieritrea.org/
ኣብኡ ብዛዕባ ኣገባብን ቕጥዕን ኣወሃህባ ሓበሬታ ግዳያትን
መሰኻኽርን፡ ብንጹር ዝቐረበ መብርሂ ስለ ዘሎ፡ ንዕኡ ብደቒቕ ምንባቡን፡ ኣብ
ግብሪ ምውዓሉን ሰናይ እዩ።
ኣብ መደምደምታ፡ ምንጪ ስደት ንምድራቕ፡ ረጋጺ መሰላት ህዝቢ ንዝኾነ
ስርዓት ኣሊኻ፡ ብስርዓተ-ሕጊ ብዝምእዘዝ መንግስቲ ናይ ምትካእ ሓላፍነት፡
ከም ዜጋታት ኣብ እንግደዓና ዘሎ ኮይኑ፡ ሓይልታት ደገ ለዉጢ ከምጽኡልና
ኣይንጽበን። ኤርትራውያን ብዘየማትእ ኣካል ሕብረተሰብ ዓለም ምዃንና
ክዝንጋዕ ግን የብሉን። ዋሕዚ ስደትና፡ ንኤርትራ ባሕጕጉ፡ ንጎረባብቲ
ኣዕለቕሊቑ፡ ናብ ሰሜን ኣፍሪቓ ፊሲሱስ፡ ክሳብ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሰሜንን
ላቲንን ኣሜሪካን ኤስያ-ፓሲፊክን ዞሪቝ፡ ነቲ ሽግርና ዓለም-ለኻዊ ቕርጺ ካብ
ኣትሓዞ፡ ኣብ ዓለምና ዝኸይድ ምዕባለታት ክጸልወና ባህርያዊ ኢዩ። ንሕና’ውን
ይዕበ ይንኣስ፡ ወዮ ደኣ ሕጂ ሕማቕ ጽሕፍቶና ኮይኑ፡ ጽልዋና ብኣሉታ ዝርአ
ጉዳይ ስደት ኮይኑ’ምበር፡ ነቓልቦ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝስሕብ ዛዕባ ምምጻእናስ
ኣይተረፈናን። ማሕበረ-ሰብ ዓለም ፡ እጃሙ ንኸልዕል ዝተበገሰ ይመስል።
እምበኣር፡ ‘ነታ ሓጺን ብርስንታ’ ኢዩ’ሞ፡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ነዚ 2ይ ግዜ ክርከብዘጸግም ዕድል፡ ብኣገባብ ተጠቒምና፡ ከም ኣባል ሕብረተሰብ ዓለም፡ ብጽሒትና
ከነወፊ መሰልና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ግዴታና ኢዩ ዝብል ርድኢት ኣሎና። ስለዚ፡ ነዛ
መርማሪት ኮሚሽን፡ ቕኑዕ ሓበሬታን ሰነዳትን ክንህብ፡ ግዳያት እህህትኦም
ንኸተንፍሱ ከነተባብዕን ኣቀላጣፊ (facilitating) ተራ ክንጻወትን፡ ለበዋናን
መጸዋዕታናን እንዳመሓላለፍና፡ እዛ ዝሓለፈት ሮቡዕ 10 ታሕሳስ 2014፡ ዓመት-
ዓመት እትኽበር፡ ዓለም-ለኸ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ምንባራ ብምዝኽኻር፡
ብርዕና ነልዕል።
መርበብ ኤርትራውያን ሲቪካዊያን ማሕበራት አብ ኤውሮጳ (መ.ኤ.ሲ.ማ.-
ኤውሮጳ)
Network of Eritrean Civic Societies – Europe (NECS –
Europe)
17/12/2014
መወከሲ ጽሑፍ (Reference):
http://www.ohchr.org/EN/NewsEvents/Pages/Display
News.aspx?NewsID=14794&LangID=E#sthash.PCwxa2
k5.dpuf – [Accessed 9 December 2014]
http://www.fithinews.com/index.php/specialfeatures/146-significance-of-un-commission-of-inquiryfor-eritreans
– [Accessed 9 December 2014]

http://gereger.com/

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *