ሓንጸጽቲ ፖሊስ ጉዳያት ወጻኢ ኤውሮጳ ኣብ ግምት ከእትውዎ ዝግበኦም ጉዳይ ምንጪ ገዳብ ኒውስ

ትርጉም፡ ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ገለ ሰባት ንፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኤውሮጳ ኣመልኪቶም ክግምግሙ እንከለው፡ ነዚ ፖሊሲ ከም “ሓዲስ
መግዛእቲ” ጌሮም ‘ዮም ዝሪእዎን ዝዛረብሉን። ብኣንጻሩ ከኣ ገለ ሰባት ነዚ ርእይቶ ፈጺሞም ኣይቅበልዎን።
ንርእሶም ከም ወድዓውያን ጌሮም ብምውሳድ ከኣ ነዚ “ሓድሽ መግዛእቲ” ዝበሃል ዘረባ ዘይቅቡል ዕላምኡ
ዝሰሓተ፡ ዘይትስፍው ክብሉ ይገልጽዎ።ዝኾነ ኮይኑ ኤውሮጳ ኣብ’ቲ ናብ ኣፍሪቃ ዝጠመተ ፖሊሲታታን
ተግባራታን መብዛሕቲኡ ግዜ ባህ ዘይብል ኮይኑ ስለ ዝረአ፡ ምስ “ሓዲስ መግዛእቲ” ከተተሓሕዞ ዘይደፋፍእ
ኣይኮነን። ነዚ ርእይቶ’ዚ ዘቃልሑ ኤርትራውያን ድማ ውሑዳት ኣይኮነኑ።
ናብ ኤርትራ ዘቕነዐ ፖሊሲ ኤውሮጳውያን ብዙሕ ሕቶታት ዘልዕል ስኽፍታታት ድማ ዝፈጥር’ዩ። ምኽንያቱ
ሓያሎ ሃጓፋት ኣለዎ። እዚ ፖሊሲ ብመሰረቱ ብዛዕባ ስደትን ምስኡ ዝተኣሳስሩ ጉዳያትን መሰረት ዝገበረ’ዩ።
እዚ ከም’ዚ ዝበለ ፖሊሲ ከኣ ድንጋጸ ዝጎደሎ ምዃኑ ይረኣየካ። ኣርሒቑ ዝጥምት ኣይመስልን። ንሕና
ኤርትራውያን ጭብጣውያን ክንከውን ኢና ንደሊ። ነቲ ነዊሕ እዋን ዘቑጸረ ኣካይዳ ኤውሮጳውያን ገዲፍና፡ እስከ
ኣቓልቦና ኣብ’ዞም ዝሓለፉ 10 ዓመታት ጥራሕ ጌርና ንጠመተን ፖሊስን ኤውሮጳያን ንርኣዮ። እንታይ
ተዓዚብና? ገለ ኤውሮጳውያን ኩሉ’ቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጸም ዝጸንሐን ዘሎ በደላት ሸለል ኢሎም፡
ነቲ ጠንቅን ገፋዕን ውልቀ መላኺ ስርዓትን ጉጅለኡን ክከናኸኑ ንዕዘብ ኣለና።
ኤውሮጳ ሓንሳብ ብጸጥታ፡ ካልእ ግዜ ድማ ብሰብኣዊ ምድግጋፍ ዝብል ምኽንያታት ስርዓተ ምልኪ ክሕይልን
ክቕጽልን ናታ ኣስተዋጽኦ ጌራ። ስለዚ ከኣ ነቶም ዝተዘርገ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገሮም ኣብ ምቕያር ደኺምና
ከይበሉ መዓልትን ለይትን ዝጽዕቱ ዘለው ኤርትራውያን ኣብ “ልዕሊ’ታ ዘላታ ተወሰኸታ” ኮይንዎም ኣሎ።
ርግጽ’ዩ መንግስታት ቀዳምነት ንሃገራዊ ረብሓታቶም ሂቦም’ዮም ዝንቀሳቐሱ። ይኹን ደኣምበር ሓዲስ ኤውሮጳዊ
ክብርታት በዚ ጥራሕ ድዩ ክዕቀን ዘለዎ? ኣይመስለንን። ሃገራት ኤውሮጳ ዘቤታዊ ረብሓታቶም ጥራሕ
ከረጋግጹ ብምሕላን መባእታዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ እንዳተ$ሓምተለ፡ ኣብ ክንዲ ወግዓዊ ዓገብ፡ ስቕታ ከርእዩ
ካብኡ ሓሊፎም ድማ መላኺ ብጥበራ ፍታሕ ከምጽእ ኣብ ምጽባይ ግዜ ከባኽኑ ልክዕ ኣይመስለንን። እዚ
ኣህጉራዊ ጉቡእ ካብ ምፍጻም ምህዳም ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብተዘዋዋሪ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ምልኪ ዘካይዶ ዘሎ
ቃልሲ ኣብ ምድኻም ኣሉታዊ ግደ ዝጸዋት’ዩ። ካብ’ዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ብቀዳማይ ሚኒስተር ጣልያን
ነበር፡ ሲልቪዮ በርሎስኮኒ ዝተበገሰ ድኽሙ ንጥፈታት ክንዕዘብ ጸኒሕና ኢና። በርሎስኮኒ ዝጀመሮ ጠላዕ ድማ
ምስኡ ኣይወደቐን። ኣብ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ናይ ኢጣልያ ምክትል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝኾና፡ ላፖ
ፒስቴሊ ነቲ ዲፕሎማስያዊ ጠላዕ ክደግማኦ ተዓዚብና። ገለ ዘይመንግስታውያን ውድባት ኤውሮጳ ድማ ብዝያዳ
ኣብኡ ጸቒጣ ክትከይድ ይገብሩ ከምዘለው ይፍለጥ።
ሃገራት ኤውሮጳ ብምኽንያት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝረአ ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣእላፍ ስደተኛታት ሓተቲ
ፖለቲካዊ ዕቑባ ኣብ ምትእንጋድ ተሸጊረን ከም ዘለዋ ይርደአና’ዩ። ሃገራዊ ጸጥታ ከተውሕስ ብምባል፡ ቁጽሪ
ናይ’ቶም ካብ ሞት ኣምሊጦም ኣብ ኣፍ ደገአን ተጸጊዖም መዓጹአን ዝኹሕኩሑ ዘለው መሳኪን ክትድርት ግን
ቅኑዕ ኮይኑ ኣይረኣየንን። በቲ በለ በቲ ግን ኣብ ኤውሮጳ ስሕተት ይፍጸም ኣሎ። ካብኡ ዝዓበየ ጠንቂ ናይ’ቲ
ስደት ገዲፍካ ኣብ ዋሕዚ ስደት ጥራሕ ከተድህብ ልክዕ ኣይኮነን። ከም’ዚ ምግባር’ሞ ንዘነቐጸ ጉንዲ ጠጠዓለይ
ኢልካ ማይ ከም ምስታይ ዝቑጸር’ዩ። ስርዓት ኣስመራ ከይወድቕ ገለ ሓላፍነት ዘይስመዖም ወገናት ዘርእይዎ
ዘለው ንጥፈታት፡ ሓድሽ’ኳ እንተዘይኮነ ግን ምስ ዘለናዮ ዘመን ብምንጽጻር ዳግመ ርእይቶ ዘድልዮ ኮይኑ
ይረኣየኒ። ገለ ሰበ;ስልጣን ጣልያን ዝመርሖም ኤውሮጳውያን ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ
ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት መሰላት ንጎኒ ገዲፎም፡ ጃልባ ህግደፍ ክይትጥሕሎም ዘራይዎ ዘለው ምድንጋጽ፡ መሊኦም
ከድሕኑ’ኳ ዓቕሚ እንተዘይብሎም ዝገብርዎ ዘለው ጉያ ጉያ ግን ንዓና ንኤርትራውያን ከንቀሓና ይግባእ።2
እዚ ከም’ዚ ዓይነት ኣካይዳ’ኮ ንኤውሮጳ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን። ልዊ ሚሸል ንስርዓት ኣስመራ ካብ ውድቀት
ከድሕኖ ክብል ንኢሳያስ ኣፈFወርቂ ብዙሕ ግዜ ከቀባጥረሉ ጸኒሑ’ዩ። እንተኾነ ግን ሱር ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዚ
ዝግለጽ ዘሎ ስለዝኾነ ዳግም ትንፋስ ክዘርእ ኣይሕሰብን። እዚኦም ስርዓት ህግደፍ ካብ ሃላሊ ኣካይድኡ ሶፍት
ዲፕሎማሲ ወይ ልስሉስ ኣቐራርባ ኢሎም ብዝገልጽዎ ክጥብርዎ ምፍታኖም ከይኣክል፡ ንደምበ ተቓውሞ
ኤርትራ መቓቒልካ ንምድኻሙ ፈተነታት ክገብሩ ምጽናሖም’ውን ዝተሓብአና ምስጢር ኣይኮነን። እቲ
ዝገብርዎ ፈተነታት ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ከም ዘይኮነ ዘመላኽቱ ነገራት’ውን ትርኢ ኢኻ። ሓደ ካብ’ቲ
ተገላባጢ ምልክታት፡ ስርዓት ኢሳያስ ክወድቕ ስለዝኾነ “ውሕጅ ከይመጸ መንገዲ ውሕጅ ጽረግ” ከም ዝበሃል
ዘገልግለና መተካእታ ንሓዝ ካብ ዝብል መን ካብ መን ይሓይሽ ኣብ ምድላይ ተጸሚዶም ከም ዝርከቡ’ውን
ሓበሬታ ኣሎ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክፍሊ ኢሜግሬሽን ደንማርክ ንኤርትራውያን ከይተወከሰ፡ ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ
ዝምልከት ሓደ ጸብጻብ ከቕርብ ሃቂኑ ኔሩ። ድሒሩ ከም ዝተረጋገጸ ግን እቲ ጸብጻብ ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ተቓውሞ’ዩ ገጢምዎ። ቅድሚ ሳልስቲ ድማ ገለ ኣባላት ጉዳያት ወጻእን ዘቤትን ዓባይ
ብሪጣኒያ ምስ’ቲ ስርዓት ንምዝርራብ ኣስመራ በጺሖም ኔሮም። ዛዕባ መገሻና ይብሉ ንሳቶም፡ ንዋሕዚ ስደትን
መሸጣ ደቂaሰባት ኣብ ዝምልከት ንምዝታይ’ዩ። እዚ ምስ ምልኪ ዝግበር ምቕርራብ ግን ብሸለልታ ክሕለፍ
ዘይብሉ ኣትኩሮ ዘድልዮ ጉዳይ’ዩ። ብወገና ንሰበbስልጣን ኤሜግሬሽን እዚ ዝስዕብ ርእይቶ ከነቕርበሎም ደስ
ይብለና። 1efኤርትራዊ ናብ ኤውሮጳ ዝመጽእ ዘሎ ፈትዩ ዘይኮነስ፡ እቲ ስርዓት ዝሕተተሉ በደል ኣብ ልዕሊኡ
ይፍጸም ስለ ዘሎ ምዃኑ፣ hefኢiሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ምሕደራን እቲ ስርዓት ዘየማትእ ዘየዛርብ ስለዝኾነ፡ ናብ
ኤውሮጳ ዝኣቱ ኤርትራዊ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ግዳይ ናይ’ቲ ስርዓት ምኳኑ ክርድኡ ከም ዝግባእ’ዩ።
ኣብ’ዚ ገለ ምድንጋራት ከጋጥም ይኽእል’ዩ። በቲ ስርዓት ኮነ ኢልካ ዝፍጠር ምድንጋራት። ንኣብነት ኣብ
መንጎ’ዞም ኣእላፍ ስደተኛታት ውሑዳት ሃሱሳትን ሰለይትን ክህልው ይኽእሉ’ዮም። እዞም ሰለይቲ ኣብ ደምበ
ተቓውሞ ተጸንቢሮም፡ ናይ ምድኻም እንተሰሊጥዎም ድማ ናይ ምብትታን መደብ ሒዞም ይነጥፉ ክህልው ከም
ዝኽእሉ ክንቀሓሉ ዘለዎ ጉዳይ’ዩ። እዞም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ጠላማት ኣብ ሓንቲ ናይ ኤውሮጳ ሃገር ኣትዮም
ዘድልዮም ናይ መንበርን ዜግነትን ሰነዳት ምስ ሓዙ፡ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝተመሓላለፈ nofክኽፈል የብሉ ዝብል
ናይ እገዳ ውሳኔ ብምጥሓስ፡ ክኸፍሉ ይረኣዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናብ ኣስመራ’ውን ይመላለሱ’ዮም። ስለምንታይ’ሲ
ቀደሙ’ውን ምስ’ቶም ተገዲዶም ዝስደዱ ዘለው ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ተመሳሲሎም ንስለያ
ዝተላእኩ ብምንባሮም። ሃገራት ኤውሮጳ ልክዕ ከም’ቲ ኖርወይ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ከለልያኦምን ኣብ ቀይዲ
ከእትዋኦምን ዘሸግር የብለንን። ተበዲልና ኢሎም ፖለቲካዊ ዕቑባ ሓቲቶም ተመሊሶም ናብ’ቲ በዳሊ ዝኸዱ
ሰለይቲ ተሓባበርቲ ደኣምበር ካልእ ክኾኑ ስለዘይኽእሉ ሃገራት ኤውሮጳ፡ መንነቶም ብግቡእ ኣለልየን መሰል
ዕቑባ ክስርዘሎም ኣለወን። ብርግጽ ከኣ እዚኣቶም ከም መታለልትን ሰለይትን መጠን ናይ ህልወናን ረብሓን
ጉዳይ ስለዝኾነ፡ ተለልዮም ብቕጽበት ክባረሩ ጥራሕ’ዩ ዘለዎም።
ብካልእ መዳይ ድማ ሰባት ውድባት መመሪጽካ ከተዛራርብ ምድላይ ብዙሕ ፋይዳ ስለዘይብሉ፡ መንግስታት
ኤውሮጳ ብዘይኣድልዎ ንኹሉ ደምበ ተቓውሞ ረኺቦም ከዘራርብዎ ኣለዎም። እቲ ርክብ ይስፋሕ። ንኹሉ ድማ
የጠቓልል። እዚ ኣብ ቦትኡ እንዳሃለወ፡ ንኤርትራውያን ዘተሓሳስብ ጉዳይ እንተሃለወ፡ ሃገራት ምዕራብ ንስለ
ጸቢብ ረብሓታተን ክብላ፡ ንስርዓት ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘብጸሖ ንዘሎ በደላት፡ ትርጉም ብዘለዎ
ያዕ ክብላኦም ዘይምድላየን’ዩ።ንስርዓት ኣስመራ ብግቡእ ዝፈለጣኦ ኣይመስላን። እዚ ስርዓት ጸረzሰላም ጸረ{ዞባዊ
ጸጥታዊ ምርግጋእ’ዩ። ብዛዕባ መንነት እቲ ስርዓት ንምፍላጥ ድማ ብዙሕ ወጻኢታት ግዜን መጽናዕትን ዘድልዮ
ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብሩህ ስለዝኾነ።
ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብኣካይዳ ናይ’ዚ ሓላፍነት ዘይስመዖ ስርዓት ዘየማረረ የለን ክበሃል
ይከኣል። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ህዩማን ራይትስ ዎች ወትሩ መረረኦም ምስ ገለጹ’ዮም። እዚ ስርዓት
ንክንድ’ዚ ዝኣክል ግዜ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ ምኽንያት ብኣፈሙዝ ደኣምበር፡ ብሰላም ብደሞክራስያዊ ምርጫ
ኣይኮነን። ነዚ ከምዚ ዝበለ ስርዓት ከተድሕን ዘይኮነ ሞቱ ንምቅልጣፍ ጥራሕ’ዩ ምርብራብ ክግበር ዘለዎ።3
ብእምነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ቲ ባዕሉ ዝኾዓቶ ጉድጓድ ኣትዩ’ዩ ክድበ ዘለዎ። ሓንሳእን ንሓዋሩን ተሓግሒጉ
ነበረ ክኸውን ኣለዎ። ከምኡ ምስ ዝግበርን ምስ ዝኸውንንን ድማ’ዩ ዋሕዚ ስደትን ሕቶ ዕቑባን ዝግታእ። ካልእ
ኤርትራውያን ክፈልጥዎ ዘለዎም ኤርትራ ሕብረÄብሄራዊት ሃገር’ያ። ደምበ ተቓውሞ ከኣ ነዚ ሕብረÇብሄርነት
ዘንጸባርቕ ክኸውን ባህሪያዊ’ዩ። ብመሰረት እቲ ስርዓት ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ብቐጻሊ ዝነዝሖ ኣበሃህላ ክልተ
ክራኸብ ዘይኽእል ጫፋት ዘለዎ ተረድኦ’ዩ ዘሎ። እቲ ሓደ ንኤርትራዊ ሕብረÜብሄርነት ዝፈልጥን ዝቕበልን’ዩ።
ዝበዝሕ ወገን ደምበ ተቓውሞ ከምኡ’ዩ። እቶም ካልኦት ከ ከመይ ዝበሉ’ዮም? ውልቃዊ ረብሓኦም ጥራሕ
ዘገድሶም ተበለጽቲ፡ ተማሂርና፡ ፈላጣት ኢና በሃልቲ፡ ናይ ግጭት ነጋዶ። ኮታ ብዛዕባ መርገጺኦም ይትረፍ
ተዓዛባይ ንገዛእ ርእሶም’ውን ኣነጺሮም ዘይፈልጥዎን ዘይገልጽዎን ኒዮው ነጀው በሃልቲ’ዮም። ኤርትራ ህጹጽ
ፍታሕ ትደሊ ዘላ ሃገር ደኣ ትኹን ‘ምበር ነዚ ዝተገልጸ ክልተ ጫፋትን መንጎçመንጎን ብንጹር ከይተገንዘብካ
ክርከብ ክመጽእ ዝኽእል ፍታሕ የለን።
እዞም ዝተጠቕሱ ገለ መንግስታት ኤውሮጳ ግን እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ ስቅያታዊ ህይወት
ብዙሕ ዝዓጦም ኣይመስሉን። ዘግም ኢልካ ስርዓት ኣስመራ ካብ’ቲ ዝግበሮ ዘሎ ክእርነብ ዝኽእለሉ ምኽሪ
ምልጋስ ጽቡቕ’ዩ ኢሎም ክምዕዱ ዝፍትንሉ ኣጋጣሚታት ጸኒሑ’ዩ። እዞም ከም’ዚ ዝብሉ በዓል መን’ዮም?
ንኤርትራ ንፈልጣ ኢና ዝብሉ’ኸ ኣበይ ኮይኖም’ዮም ተላልየማ? ፈቲሾማ ዘይመስል’ዩ። የግዳስ ካብ ሰብኣውነት
ርሒቖም ከምኡ ምባሎም ምስ ስርዓት ኣስመራ ዘተኣሳስሮም ረብሓ እንታይ ኣሎ ኢልካ ክትሓትት ዝደፍእ’ዩ።
ሓደ ዘይከሓድ ዘሻቕል ነገር ግን ኣሎ። ተቓውማይ መሲልካ፡ ካብ ተቓውማይ ዘይጽበ ተግባራት ምፍጻም።
እዞም ከም’ዚ ዝበሉ’ዮም ነቶም ንኤርትራ ጽቡቕ ጌርና ንፈልጣ ኢና በሃልቲ ብመንጽር ውልቃውን ጉጅላውን
ረብሓኦም ዘይኮነ ሓበሬታ ዘስንቕዎም ዘለው። እዚኦም በዓል መን’ዮም። ከመይ ዝበሉ’ዮም እንተ ኢልና፡
ብጽልኢ ጎረባብቲ ሃገራት ኣእምሮኦም ዝተደፍኑ ሕሉፋት ሃገራውያን ኢና በሃልቲ፡ ዘወድዓውያን
ዘይሓላፍነታውያን’ዮም። ባህሪያቶም ካብ ባህሪ ናይ’ቲ ስርዓት ዝፍለ ኣይኮነን። እቲ ባህሪያት ከ ከመይ
ዝበለ’ዩ? ጽልኢ ቀጽሪ ደምበ ተቓውሞ ብርግጽ ኣለዎም። ርእይቶ ካልኦት ኣይሰምዑን ኣየኽብሩን።ኣብ ጸረô
ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ዝጠሓሉ’ዮም። ካብ ናይ ቀደም ድሑር ኣረኣእያኦም ክላቐቑ
ዘይከኣሉ’ዮም።
ዝኾነ ኮይኑ እዞም ምስ’ከምዚኦም ወዲ ከም’ዚኦም ግዜኦም ዘጥፍኡ ኤውሮጳውያን ኣብ ኣካይዳኦም ዳግመ ርእይቶ
ክገብሩ ኣለዎም። ድሕሪ ደጊም ዝተገብረ እንተተ ገብረ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስዕረቱ ኣይድሕንን። ምርሻ ደምበ
ተቓውሞ ድማ ክግታእ ኮታ ዝከኣል ኣይኮነን። ዝኣረገ ስርዓት ዝበሰለ ፖለቲካዊ መድረኽ፡ ብዝኣረገ ጭርሖ
ኣይቅየርን። ስለዚ እዞም ምስ መላኺ ስርዓት ጽግዕግ ዝብሉ መጀመርያ ንገዛእ ርእሶም ካብ ጌጋ መንገዲ
ክድሕኑ፡ ካልኣይ ጾር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምፉኻስ መታን ኣጃሞም ከበርክቱ፡ ካብ መጀመርያ ሓደ ነገር ብግቡእ
ክርድኡ ይግባእ። ስርዓት ኤርትራ ኣብ ዓራርቦ ከምዘሎ። ከተድሕኖ ኢልካ ምልስላስ ምድንጋጽ ከኣ ከንቱ
ምዃኑ። እዞም ወገናት ደጊሞም ደጋጊሞም ኣቓልቦ ክገብርሉ ዘለዎም ካልእ ጉዳይ’ውን ኣሎ። ስለ ዝሓሸ መጻኢ
ኤርትራ ምስ ዝሓረኻዮም ጉጅለታት ምርኻብ ዘይኮነ፡ ምስ መላእ ደምበ ተቓውሞ ተራኺብካ ክትዝቲ ቅሩብ
ምዃን ዘድሊ ምኳኑ’ዩ።
ጂኦግራፊካዊ ኣቀምምጣ ኤርትራ ሕንቁቕ ተነቃፊ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።ከም ተርእዮ ዘየድሊ ባህ ዘየብል
ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣርሒቕካ ምእማት ከድሊ’ዩ። ናይ ኤውሮጳውያን ስትራተጂካውያን ወጠንቲ፡ ንደምበ
ተቓውሞ ኤርትራ ናብ ቃሕ ዝበሎም ኩርናዕ ኣጸጊዖም ዝመስሎም ንከይትልሙ ዓቢ ጥንቃቐ ክገብሩ
ከድልዮም’ዩ። ዘይተደልየ ጉድኣት ከይመጽእ ከይበጽሕ እንተደኣ ዝድለ ኮይኑ ማለት’ዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እዞም
ልዕል ክብል ዝተገልጹ ኤውሮጳውያን ውልቀ ሰባትን ናእሽቱ ጉጅለታትን እሽርሩ ክብሉ ንዕዘብ ኣለና፡ ብዋጋ
ቀጽሪ ተጋድሎ፡ ብዋጋ ተቓለስቲ። እዚ ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን’ዩ። ጸገም ኤርትራ ክፈትሕ ዝደሊ፡ ንሱር ሰራውር
ናይ’ቲ ጸገም ካበይ ከምዝብገስ ከለልዮ ኣለዎ። ዘይፍትሓዊ ምሕደራ፣ ዕለታዊ ግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ
መሰላት፡ ፖለቲካዊ ጭቆና፡ ጸጥታዊ ስግኣትን ዓመጽን። ኤውሮጳውያን ካብ ኤርትራ ዝመጹ ስደተኛታት4

በዚሖምና በሃልቲ’ዮም።ንምፍትሑ እንታይ ክግበር ከምዝግባእ፡ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘለዎን
ክጠፍኦም ወይ ክጎስይዎ የብሎምን።
ድ·ሰ¸ደ¹ኤ  17-12-2014

http://www.togoruba.org/

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *