ህግደፍሲ ከዳሚትዶ ገዛኢት? 18 . 12 . 20014፡ 2ይ ክፋል ግደፍ ዝፈከረስ ዝወርወረ!

ህግደፍሲ ከዳሚትዶ ገዛኢት?
18 . 12 . 20014፡
2ይ ክፋል ግደፍ ዝፈከረስ ዝወርወረ!
እቲ ኣርእስቲ ከይነውሕ እናተሓሰበ ይቆራረጽ ከምዘሎ ኣብ ግምት ከተእትዉለይ እናተተስፈኹ ኣብ ዝሓለፈ
ጽሑፈይ እቲ ድምጺ ኤረና ዘቕረበትልና ዛንታ ናይቲ ንኡስ ፖለቲከኛ ሰሚዕና ብሰበብ ናይቲ ምስጡር ግፋ
ከምዝነፍጽ ኢና ተዓዚብና። ግፋ ከኣ ከም ጃምላዊ ሕፍ ሳ መጠን ዓላማኡን ኣተገባብራኡን እንተዘይኮይኑ
ኣድላይነቱስ ኣይምተወገዘን። እንተኾነ ኣብ ሃገርና ንምሕፋስ ዘገድድ ነገር እንታይ ከ ምዝኾነ ሎምስ ኩሉዜጋ
ክርድኦ ከምዝኸኣለ ንርዳእ። ኣብ ውሽጢ’ቲ ዝዘራእካዮ ተጸንቢሩ ዝበቁል ብዙሕ ክርዳደ-ካልእ ማልእ ክትጽ ህዮ
ወይ ክትኣርዮ ይከኣል። ኣብ ውሽጢ’ቲ ብዙሕ ዘየድልየካ ነገር ዝተሓወሰ ተመራጺ ድማ ትለቕሞ፡ ትቖልቦ ወይ
ትቕርሞ። እዚ ምስ ዘይጥዕም’ዩ ዝግፈፍ። ግፋ’ውን ንተደላይ ወይ ዘይተደላይ ምስመጸኻ ነቲ ዘተረፈ ናብቲ
ዝነበሮ ክትመልሶ ሕጊ ምግፋፍ የገድደካ’ዩ።
ብዛዕባ ናይታ መስርሕ ግፋ ‘ክትመሚ’ ዝተደኮነት ህግደፋዊት መስናዕ (ቤት ማእሰርቲ) ዓዲ ኣበይቶኸ እንታይ
ትፈልጡ?
ብርሃነ ኣፍሮ (ሓደ ካብቶም መርመርቲ ማሕቡስ ዓዲ ኣቤቶ) ዝሃበና ሓበሬታ ትዝክርዎ ትኾኑ። ህግደፍ
ኣብውሽጢ ህዝብና ፈታዊ ስለ ዘይብሉ እቲ ኩሉ ዝግፈፍ ንንግዳዊ መዓላ ዝተወጠነ ኢዩ። ግደፍ ነቶም ንኣሽቱ
ደቁ፡ ኣሕዋቱን መቕርቡንስ ነቶም ብኮነ ተባሂሉ ብዕድ መ ኣዝዮም ንዝደፍኡ ኣቦ ወይኣደ ዝተቐየድዎ ዘበለ
ብገንዘብ ከናግፎም ከምዝግደድ በሪሁ ኢዩ። ዶላር እንተዘይኣትያ ብሳዕቤን መርመ ራ ይዅን ማእሰርቲ ዝመጽእ
ሞት ንህግደፍ ዕዳጋኡ ኢዩ። ሬሳ ንምውሳድ ድማ ግድን ክኽፈለሎም ስለዝኾነ። ካብኡ ተረፈ ግና ቃል ና ይቲ
ተራኺ ዘይምርሳዕ። ንሱ ንገለ ሰባት ኣብ ቅልጽሞም ጸሊም ጨርቂ ይእሰረሎም ከምዝነበረ ገሊጽዎ ኢዩ። ጸሊም
ጨርቂ ንምታይ?
ኣይትሸገሩ፡ ኩሉ ዝተዓዘበ ፖለቲከኛ ቆልዓ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ክትዕቅቦ ዝነበራ መሬት ባሕሪ፡ ጽባሕ መበላሸዊኡ
ተወጢኑ ንዝተዘርአ ሓሽ ሽ ዝሕልዉ ኣዛብእ ማሳይ ካብተፈነዉዋ፡ ኢዱ ከይሃበ ሓንቲ መዓልቲ ብዝኾነ ዋጋ
ወጺኡ ክብድህን ከዘንትወልናን’ዩ። እንተ ትማሊ፡ ጎደፋ’ውን ምስቲ ዝነበሮ ጭቡጥ ሓበሬታ ሓዊሱ፡ ናይ ሎሚ
ዘመን ህግደፋዊት ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ብርግጽ ተምሳል ናይታ ትማ ሊ 1.5 ሚሊዮን ግዳያት ዘህለቐት
መዳጎኒት ቅዝፈት ዝነበረት ፖላንዳዊት ኣውሸዊትዝ (Auschwitz) ከምትመሳሰል ዘብርህ ጽሑፍ ኣ ቕሪቡ
ነይሩ። ሎሚ ድማ እንሆ ንዝተራእየን ገና ንዘይተራእየን ቀላሊዑ ዘገማጥለና ሓሳባት ክንውንን ብምብቃዕና
ይመስገኖ ፈጣሪ!
ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ፕሮፈሶር ኣብ መጽናዕቱ ሃገርና ከመይ ከምዘላ ብውሕልነት ኣስፊሑ ተንቲንዎ ከምዘሎ፡
ነፍሲ-ወከፍ ሃገራዊ’ውን በዚ ዘሎ ንገሌና ኣይሕሱብ ዝነጠበ ኩነታት ዘይተሸቑረረ የብልናን። እሞ ናቱ ይኹን
ናይተን ዝመረጽኩወን ኣርእስታት ከምኣብነት ክጠ ቓቕስ ደልየ እንተዘይኮይነ ንዓዐን ኣብሊጸ ክድግፍ ወይ
ክወቕስ ሓሊነ ኣይኮንኩን። እቲ ቅንጥብጣብ ሓሳባት ኣብ ሓደ እንተተኣኪቡ ል ክዕ ሓቀኛ ነጸርታ ሕማም ሃገርና
ስለዝህብ ዘላቒ መድሃኒቱ ክንመርጽ ኣየጸግመናን ኢለ’የ። ከም ኣበጋግሳይ ንምቕጻል በሉ ንስዓብ።
“ኤርትራ ብዘይመንግስቲ ብዘይተቓወምቲ”። ጽሑፍ ናይቲ ንብውልቀይ ካብ ሓሲቡ ክዛረብስ ከይሓሰበ
ክጽሕፍን ባዕሉ ከንብቦን ዝም ቅረኒ ጋዜጠኛን ፖለቲከኛን ኣማኑኤል ኢያሱ ኢዩ። ከምተውህቦ’ውን ንሱ ኩላሓሳባቱ ኣብታ ዝመርጻ ኣርእስቲ ከምትጠቓለል ኮይና ት ስማዓኒ። ብርግጽ ከኣ ኤርትራ ብዘይ ተቓወምትን
መንግስትን ምትራፋ ምስቲ “እዚዶ ደይዚ” ዝብል መጽናዕቲ ፕሮፈሶር ዝሰማማዕ ኮ ይኑ ረኺበዮ። ‘ቲ ሕቶ
ክደግሞስ፡ “ስለምንታይ ኢዩ መራሒ ህግደፍ ሃገራውያን ኣብሪሱ ንፖቲካዊ ባዶነት መሪጽዋ”?
ክሳብ’ዚ ቀረባ እዋን ህሉው ኩነታት ሃገርና ንናይ ማዕዶ ተዓዘብቲ ዝርንዝሕ እናኣንበዐ ምሓልፎ ብዋናታት ክጓነ
ወይ ብሰበብ ኣመሪካን ወያነን ክመሳመሰሉ ኢዩ ጸኒሑ። ቀዳመይቲ ምስምስ ምስኣረገት ኢሳይያስ ናይ ስልጣን
ሕማም’ዃ እንተኣለዎ ከም ሓደ ንቡር ክንቅበሎ ኢና ተጎስጒስና። ንሱ’ውን ከምዘንደልሃጽና ፈሊጡ መታን
ኣጸቢቕና ክንዕዘር ስልጣን ብስሪኡ ከምዝበሓተ ኣምሲሉ’ዩ ክዕበየልናን ከሀ ውትተናን ተሰምዐ’ሞ ነገር ምስምስ
ፈጺማ ኣብሖ ኮነት። ከመይሲ ስልጣንካ ምዕቃብ’ኮ ንቡር ፖቲካዊ መስርሕ ኢዩ። ግን ስልጣን ሃገ ርን ህዝባን
ብምዕናውን ምዝራውን ድያ ትዕቀብ ወይስ ብምህናጽን ምጥርናፍን?
ከይንጋገ ምእንትስ፡ ስልጣን ድኣ መንከ ተጻቢእዎ ይፈልጥ? ንሱ’ውን ከምዘንደልሃጽና ፈሊጡ መታን ኣጸቢቕና
ክንዕዘር “ስልጣን ዝሃበ ኒ የለን”T ኢሉ ከሀውትተናን መላኽነቱ ከርዕመናን ክፍትን ተሰሚዑ ኢዩ። እንተኾነስ
ብርግጽ ዓሻ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኪኖ ስልጣን መ ንነት’ውን’ኮ ሂብዎ ኢዩ። ህዝብና ኪኖ ቆመና ውላዱን
መቕርቡን ኣብ ልዕሊ ኢሳይያስ እምነት ብምሕዳር ንብረቱ፡ ገንዘቡን ሓዳሩን ኣረ ኪቡ ኢዩ። ክሳብ ከምልዕለ-
ተፈጥሮ፡ ከም ኣምላኽ ተሳሊምዎ። ንሱ ግን ብእምነት ህዝቡ ካብዘይዓገበ ስዉር ብልሓቱ ከምቲ ዝበሃል ህ ርፋን
ስልጣን ከምዘይኮነ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ንታሪኽ ክስነድ በታ “ጭብጢ”T ትብልቃል ከይተጎናደብና
ኣዳዕዲዕና ነቃልሓዮ።
ትማሊ ሓሊፍና ሎሚ ድማ ኮነት’ሞ ምስምስ ከኣ ተሳእነ። ግናኸ ሎሚ’ውን ከምትማሊ መራሒና ንስልጣን
ክብል ከምዘባድመና ጥራይ ይመስለና እንተኣልዩ ከይንዕሹ ንጠንቀቕ። ሓደ ሓቂ ኣብዘይግዚኡ ከይእመን
ስለዝኽእል ማለት እንተዘይኮይኑ ኢሳይያስ ስልጣን ንምን ታይ ክጥቀመሉ ኢዩ ክንድኡ ዝዋደቐሉ ክንምልሶ
ግቡእ ኢዩ። ፕረሲደንት ኢሳይያስ ብመትከል ኣይናህናን ኢዩ። ብውልቀይ ከምሓደ ሃ ገራዊ ደጋጊሙ
ከምዝመሰለኒ ህግደፍ ሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራ ዝዓስከረ ነቐዝ ሃገር ምዃኑ ብዘይጥርጥር እብሎ ኣለኹ።
ንነገሩ ፕረሲደንት ኢሳይያስ እንታይ ዝኣመሰለ ዓለማዊ ኣድላይነት ሃልይዎ ኢዩ ኣብ ስልጣኑ ክቑንቁን ተደልዩ?
መንዩኸ ዝሕልዎን ነቲ
ቅንጣብ’ዃ ዘየደናግር ኣባናን ከባቢናን ንርእዮ ዘለና ፖለቲካዊ ድራማታት ብኣምሳል ወዲ ኣፎም በራድ ዝዝውሮ
ዘሎን?
ብዛዕባ ዝርአ ዘሎ ዓለማዊ ኩነታትን ኣሳሳይነት ህግደፍን ኣብዚሐ ስለዘእወኹሉ ሕጂ’ውን ክደጋግሞ ባህጊ’ኻ
የብለይን። እንተኾነስ ንሰ ፍላላ ድማ ክሳብ ትቃላዕ ከምዝኾነላ መጠን ወያ ብፖለቲካዊ መንነታ ዘይትተኣማመን
ጎበጨረ ሰልፊ ከኣ መሐከሊት ትጥቀመላ ዘላ ፍ ልስፍና ሓንቲ ዓለም ኣብ ውሽጥና ኣእትያ’ኳ እንተ ኣሳጸየትና፡
ፖለቲካዊ ምርጫኣ ዘይኮነስ ውጽኢት ቅልውላዉ ፖለቲካዊ መንነታን እ ምነታን ኢዩ። ማለተይ ህግደፍ “ኮን
ዶኾን” ኢላ ትድርገሞ እንተዘይኮይኑ “ቀጻሊ ረብሓ’ምበር ቀጻሊ ሕውነት የለን”T ብዝብል መርዚጭ ርሖ
ውልቃውነት እንተዘይኮይኑ ብዓላማ ትመተሉ ዝተሓዝ ሃገራዊ ፖለቲካዊ እምነት የብላን። ትብለና ንሳ ዓለም
ሓድሽ ፖለቲካ ከምዘ ድልያ። ትደሊ ንሳ ሃገርና ብግዜያውነት ጸኒሓ በቲ ትምነዮ ሓድሽ ፖለቲካዊ ቅርጺ
ክትምስራሓና። ነዚ ዘቃልዕ ፕሮፌሶር ኣብ ገጽ ÖÜTጽሑፉ ብግቡእ ኣነጺርዎ ኣሎ።
“ኤርትራ ብዘይመንግስቲ ብዘይተቓወምቲ”። እሞ ስለምንታይ ኢዩ መራሒ ህግደፍ ሃገራውያን ኣብሪሱ ንፖቲካዊ
ባዶነት መሪጽዋ?ፕረሲደንት ኢሳይያስ ሕቖኣ ዝጎዘዛ መንግስቲ ትውንን ኤርትራ ክመርሕ ዝተመነየሉ ምኽንያት ክልተ ዓላማታት
ኣለዎ። በቲ ሓደ እቶም መሳርሕቱ በቲ ኣቐዲሙ ክፍጽምዎ ዝቐሰቦም ኣጽናቲ ገበን ከምዝኣዘዞም ክሒዱ ንጹህ
ክመስል ኣብ ኣድላይ ግዜ ባዕሉ ከምዝኽምብሎ ም እናኣፈራርሀ ስረኦም ስለዘምለቖሎም ፈዚዞም ብሒም ዝብል
ከምዘየለ ስለዘረጋገጸ፡ ከምታ ዝተላእካ ነታ ሃገር ከምቲ ናይ ዘመነ-ኮም ቢሽታቶ ከምዝመችኦ ብምሕዛእ
መዳሚዱ ከረክቦም። በቲ ካልእ፡ ምናልባሽ ክሳብሽዑ ኣሸበሸብ ኣይሕሱብ ገለ ረጽሚ ንኸይርከብ ንር እሱ
ኣብትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ክምዕቀብ ስለዘለዎ ኢዩ። ምእንቲ ርእሱ ናይዚ ዞባና ልእኽቲ ዓቃብ ሰላም ድማ
ኢቲዮጲያ ኢያ። ንሳ ሰራዊታ ሒዛ ኣብዝኾነ ዝተላእከቶ ደበኽ ትብል ‘ውፍይቲ’ ኢያ። ካብ ሙሉእ ኢቲዮጲያ
ከኣ እቶም ኣዝዮም ‘ፈጥኖ ደራሽ’ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፡ ‘ቶም ወየንቲ ተጋሩ ኢዮም ኢለሞም። ‘ወያነ ኮይንላ
ዘመና መጺእላ’ ካብ ብጋሕጋሑ ንኤርትራዊ እናኣከሻመሸት ንኤር ትራ ግን ‘ካብ መንጋጋ መግዛእቲ ኣናጊፋ
ኣገንጺላታ’ ይብሉና። ግዲ የለን ሎሚ ርእሰ-ምምሕዳር ኮይና እንተጸንሐት ጽባሕ ንርእሳ ክት ግንጸል እንታይ
የጸግማ? ተገንጺላ ድማ ሓድሽ ሃገረ-ትግራይ ትግርኝ ክትሰርሕ እንታይ የጸግማ? ንወዲ ኣፎም በራድ ብዓባያ’ኳ
እንተ ዘየትሓዘቶ ከምዚ ዝጽበይዎ ዘለዉ መንነት ኪኖ ኮንፈደረሽን ፕረሲደንት ትግራይ ትግርኝ ክትገብሮ እንታይ
የጸግማ? (ንኩሉ ክጥዕም ይኸውን መለስ ዝተወገነ) ክሳብ ሽዑድማ ንትረሲደንቶም “ደምህት” ብዝባሃሉ ዓቃብ
ሰላም ሰራዊት ይሕሎ ኣሎ። ኣብ ኣድላይ ግዜ ጉ ዳይ ኤርትራ ካብ ኢድ ሃገራውያን ከምዝወጸ ተመኽንዩ ክስዕብ
ዝምነይዎ መቸም ኣይትዝንግዕዎን እብል። ደምህት እምባአር ኣብ ሓደ እዋን ብድርብ መልክዑ ‘ዓቀብቲ ሰላምን’
ወረርትን ኮይኖሙልና ኣለዉ።
ፕሮፈሶር ነቲ ጠመተ ትግራይ ትግርኝ ክጠቅስ እንከሎ ብኣውራኡ ነዚ ዝብሎ ዘለኹ ዘነጸረ እመስለኒ። እቲ ሓደ፡
እታ ሓንቲ፡ ኩልና ኤ ርትራውያን ድማ ነቲ ኪኖ ደበንገረ ከተግብሩዎ ዝሕልኑ ሓድሽ ፖለቲካዊ ካርታ
ተዓዚብናዮ ኣለና። እንተ ከምርኢቶይ መራሒና ሕጂ ‘ውን ከምቲ ፕሮፌሶር ኣብ ገጽ 1·T ዝጠቐሶ ብሕሉፍ
መላኽነቱ ጥራይ ዝትመን ዘይኮነስ ባንዴራ ዝተዓደለ ኣገልጋሊ ገዛእቲ’ምበር ርእሱ ዝኸኣለ ገዛኢ ክኸውን’ውን
ኣይደረገን። ብከምኡ ትዕዝብቲ ይኸውን ጎደፋ’ውን ንፕረሲደንትና ብኣምሳል ኣምባሳዶር ገዛእቲ ዝመሰሎ።
“ኤርትራ ብዘይመንግስቲ ብዘይተቓወምቲ፡ እዚዶ ደይ’ዚ፡ ኤርትራ ሞይታ። ቃልሲ ንትንሳኤ ሃገር!!” ህጹጽ
ሃገራዊ ጻውዒት!!!!!!
እሞበሉ ትምቢት ወዲኣፎም በራድ ከይተሳኽዐ ንምቑጻዩ ንሕናኸ ምእንቲ ትንሳኤ ሃገርና ብመጠን ህጹጽነት
ኩነታትና ነዚ ዘለና ፖለቲ ካዊ ባዶነት ክንሽፍን እንታይ ክንግበር ይግባእ?
ነዚ ክምልሱ ዝቖረጹ ይመስሉ መድረኻውያን ንሽግር ሃገርና ይበቅዕ ዝበልዎ ሴፍ ጽገና ከምዝመዘዙ ዝስማዕ
ዘሎ። ብፍላይ ንሕና ህዝ ቢ ኤርትራ፡ ኣቐዲሞና ዓላማኦም ክነግሩ እንተዘይደሪኽናዮም፡ ምስ ውሽጢ ሃገር
ግሩም ርክብ ስለዘለዎም ብተወሳኺ ከኣ ሰልዲ ስለዘ ለዎም ክነስዑና ከምዝኽእሉን ስለዝውረ፡ ብሓቂ ንሃገርና
ካብ ሽግር ከምዘናግፉዋ ክንትስፎ ይንገረና ኣሎ። እንተኾነስ ከም ሓደ መስር ሕ ምርጫ መሰረታዊ ለውጢ
ብምብሃግ “ኣበደን ንጽገና”Tዝብሉ ድማ ኣለዉና።
ፕረሲደንት ኢሳይያስ ባዕሉ ከምዝዓረፈ ኣብ ዘውረየሉ እዋን ተመሳሳሊ ርኢቶታት ተራእዩ ከምዝነበረ እዝክር።
ሽዑ ኣቶ ጎደፋ’ውን “ን ዝተሸመ ተኸተሎ”Tብዝብል ኣርእስቲ ወተሃደራዊት ደርጊ ክትመጸና ኢያ’ሞ ዕድል ክንህባ
ምስተላወበ ናብ መሰረታዊ ለውጢ ዘቛመተ ርኢቶ ከምዝሓየለ ይዝከር። ነዚ ተዓዚቡ ይነብር ቀለታ ኪዳነ ድማ
“ጽገና ኣይንደልን? ንሕናስባ ንደሊ፡ መንከ ሂብና” ክብል ዝጸሓፈ።ንነገሩ ኣብ ትርጉም ለውጥን ንተፈጻምነቱ ዝድለ ግዜን ዝህልወና ኣመለኻኽታ ሓደ ድዩ? ናጽነትን ተበግሶን
ናይዞም ናይዚ ቅንያት ናይ ዓዲ እንግሊዝ ተኻታዕቲ መንእሰያትና ከምዘለዎ እናነኣድኩ፡ ጽልዋኦም ክሰፍሕን
ክጥርነፉን ምእንቲ ክቕጽልዎን ክበዝሑን እላቦ። እን ተ’ዛ ሃገር ገና ትንግርቲ ስለዘለዋ ከምቲ ጥቕሲ ሓርበኛታትና
ግደፍ ዝፈከረስ ዝወርወረ’ውን ከሰንፋ ኣይከኣሎን ኢዩ።
ኣብ ዝቕጽል ጽሑፈይ ክንራኸብ ብደሓን ቀንዩ።
ጎደፋ።

http://gereger.com/data/media/Itw2Jk.pdf

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *