ገለ ሰነዳት ካብ ኮምፒተር ሜ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስሉስ

 

ኣብ ሞንጎ ህዝብና ዘይምትእምማን ክነግስ ካብዝገብሩ ጉዳያት ቀንዲ፡ ኩለን መሓውራት ጸጥታ ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ዘካይድዎ ስውር ናይ ሓበሬታ ምእካብ መስርሕን ውዳቤታትን እዩ፡፡ እቶም ካልኦት ሚስጢራዊ መገድታት ሓዲግና ንሎሚ ብዛዕባ ተፍትሽ መንበሪ ገዛን ቤ/ጽሕፈትን ዝምልከት ገለ ክብለኩም፡፡

ስውር ተፍትሽ መንበሪ ገዛውትን ቤት ጽሕፈታትን መብዛሕትኡ እዋን ብጸላም ጽሞዋን ዝካየድ ኮይኑ ኩሎም ኣካላት ጸጥታ ማለት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት- ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት – ስለያ ምክልኻል፡ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት- ወጻእ ስለያን ከምኡ ውን ከከም ኣድላይነቱ ብገለ ኣባላት ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ይካየድ፡፡ ኣብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ውሽጣዊ ጸጥታ ዝካየድ ተፍትሽ እቲ ዝዓበየ ኮይኑ፡ ብቐጥታ ብሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ወልደዝጊ ባህታ ትምራሕ 7ተ ኣባላት ዘለዋ ጉጅለ ብምቋም ኣብ ዝተመርጹ ታርጌታት ትኹረት ብምግባር ኣሰር ከይገደፉ ገዛውቶም፡ ትካላቶምን መካይኖምን ብዝተፋለላዩ ማስተር መፋቱሕ ከፊቶም ይፍትሹ፡፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ውሽጣዊ ጸጥታ ንዝኾነ ዓይነት መኪናን ገዛን ብሕቡእ ክኸፍት ዝተመርጸ ስውር ኣባል ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ላኻ እንዳ መፍቱሕ ዘለዎ “ዮናስ መፍቱሕ” ዝተብሃለ ብቑመት ካብ ከሚዲያን ምራጭ ንእሽቶ ብርኽ ዝበለ ኣባል ሃ/ኣገልግሎት እዩ፡፡ ዮናስ ዘይከፍቶ ማዕጾ ዳርጋ የለን፡፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ከባቢ ፖስት ኦፊስ ዘሎ ንግዳዊ ባንክ መፍቱሕ ስለዝጠፍአ ንወልደዝጊ ባህታ ፍቓድ ተሓቲቱ ከይዱ ከፊቱሎም ነይሩ፡፡ ኣብ ጉዳይ ፍቕረን ሳምሶንን እውን ናይ ገለ ላዕለዎት ሓለፍትን ሃብታማትን ቤ/ጽሕፈታት፡ መካይን፡ መንበሪ ገዛውትን መኻዚኖታትን ብሕቡእ ከፊቱ እዩ፡፡

ኣብ 2007/08 ካብቶም ምስ ነጋዳይ ፍቕረ ዓንደማርያም ወጊኑ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ላዕለዎት ጎባልል ሓደ፡ ሜ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስሉስ (ወዲ ሃብተስሉስ) እውን ቤ/ጽሕፈቱ ብኣካላት ጸጥታ ብሕቡእ ተፈቲሹ እዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ናብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ዝለኣኾ ደብዳቤታት ከይተረፈ ማእለያ ዘይብሉ ሰነዳትን ደብዳቤታትን ብሕቡእ ካብ ኮምፒተሩ ብሃርድ ዲስክ ተቐዲሑ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት መጺኡ ኢዩ፡፡ እንሆ ከኣ ንሎሚ ካብኣቶም ክታም ዘይተገብረሎም ገለ ደብዳቤታትን ሰነዳትን ይፍንወልኩም፡፡ ዝተረፈ ከም ኣድላይነቱ ብቐጻሊ ክፍንወልኩም እየ፡፡ በዚ ኣጋጣሚ ናይ ነጋዳይ ሳምሶን ወዲ ቀሺ ዝነበረ ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ጀነራል ፍሊጶስ ቤት ማሕዩር ኮይኑ እንዳገልገለ ዝርከብ ኣብ ከባቢ ማይሑጻ ዘሎ ገዛውቲ ኣሳእል ወሲኸ ይፍንወልኩም፡፡ ኣብ 5ይ ክፋል ጽሑፍ ነቶም ኣብ ልዕሊ ኮ/ል ስምኦን ፈተነ ቅትለት ካብ ዘካየዱ ዜጋታት ናይ ገሊኦም ኣስማቶም ንዝሓበርኩምኒ ከየመስገንኩ ክሓልፍ ኣይደልን፡፡

ሰላማዊ ሰልፊ ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ንደገፍ ንመርማሪት ኮሚሽን መሰል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ አርትራ

Image result for new york united nation images

ሰላማዊ ሰልፊ ብደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ንደገፍ ንመርማሪት ኮሚሽን መሰል ሰብኣዊ መሰላት ኣብ አርትራ

ኣብ ቅድሚ ህንጻ ሕቡርታት መንግስታት ዓለም፡ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እዩ። 27 ጥቅምቲ 2016 29

መስከረም 2016 መግለጺ፡ ንኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ብኣሰናዳዊ ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ኒው ዮርክ ዝወጸ መግለጺ። ኣሰናዳዊ ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ኒው ዮርክ፡ ብልዕሊ 30 ከተማታት ናይ ሰምየን ኣመሪካ ዝቖመት እያ።እዚ ብከተማታት ደለይቲ ፍትሒ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቅድሚ ህንጻ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ንዕለት 27 ጥቅምቲ 2016 እዩ።

ዓላማኡ፡ ነታ ብሕቡራት መንግስታት ዝተመዘት መርማሪት ኮሚሽን፡ እተቕርቦ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጸም ዘሎ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ንኽቐርቡ ንምድጋፍ እዩ።ሕጊ ኣልቦነት ኣብ ኤርትራ ከብቅዕን እዩ።

በዚ ኣጋጣሚ መዓልቲ፡ ህዝብና ካብ ኤውሮጳን፡ ካናዳን፡ ሕቡራት ስተትስን ተኣኪቡ፡ ምእንቲ ህዝቡ ዓውውው!!!! ኢሉ፡ ብኽያቱን፡ መከራ፡ ስቓይን፡ ፍትሒ ኣልቦነትን፡ ጥምየትን፡ ጉድለት ጥዕና ብምስኣን፡ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብሰላም ንኸይነብር ይግዛእ ስለ ዘሎ፡ ንመራሕቲ ዓለም ንምግላጽ እዩ።

ብድሓን ምጹ!!!!!!!

ኣውሃሃዲት ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ኒው ዮርክ።

Routinely ‘written off,’ Eritrea is rebounding and keen to achieve Global Goals, Minister tells UN

 

 

26 September 2016 – Telling the United Nations General Assembly that over the 25 years of Eritrea’s independence it has faced a “concerted onslaught” of difficulties – incessant hostility, occupation, and sanctions – the country’s Foreign Minister today said that resilient Eritrea and Eritreans, at home and abroad, were nevertheless able to fend off the attacks on their nation and protect their hard-won freedom.

“Few gave Eritrea a fighting chance. We were routinely written off, our imminent collapse predicted with regularity,” Osman Saleh, Minister of Foreign Affairs said at the Assembly’s annual debate, adding that the country and its people, through “sheer determination,” resisted the onslaught, and, after a difficult decade-and-a-half, the country is moving up; its economy is rebounding, infrastructure is being built and, among others, favourable conditions are being created to provide quality education.

“The pressures, coercion and hostility that Eritrea has faced are by no means exceptional or distinctive,” he said, arguing that in the Horn of Africa region, they are only one element of a misguided policy pursued over a quarter of a century that has fuelled violence, conflict, instability, and fragmentation, as well as extremism and terrorism. Indeed, many nation that cherish dignity and independent decision-making “have to face the wrath of those who wish to cling to their domination and privilege.”

He went on to stress that more broadly, unsustainable policies of greed and pillage and the reckless resort to unilateral pressure and force to secure unilateral advantage, instead of seeking common ground and mutual interests, is pushing the world on an extremely dangerous path. To that end, he said the pending decision by the United States to adopt legislation that nullifies national sovereign immunity constitutes a violation of international law and a dangerous precedent with grave implications.

“In our region […] the past two decades have generally been a period of missed opportunities, of zero-sum games, of repeated conflicts and setbacks. Even today, the situation remains fraught with risk and danger,” noted Mr. Saleh, yet recent developments indicate the possibility of an opening for a new beginning, for re-launching the vision of a peaceful, progressive, economically dynamic and cooperative Horn of Africa.

To this end, he said that Eritrea is keen to build on its encouraging achievements to transform its economy and society, to achieve the Sustainable Development Goals (SDGs), mainly by relying on the energy, skills and initiative of its people and the judicious use of its natural resources. “It is also determined to work actively and constructively, and in collaboration with its neighbours, for peace, stability and prosperity in the Horn of Africa and Red Sea regions,” he concluded.

ምእንተ’ቶም ጨካናት ሓራምዝ፡ ዝሓለፉ መሳኪን ኣጓብዝ (ነጋዶ ፍቐረን ሳምሶንን) 5ይ ክፋል

 

ክቡራት ተኸታተልቲ!

ድሕሪ ማህረምቲ ኮሎኔል ስምኦን ገብረድንግል ናብ ኩሎም አካላት መንግስትን ግንባርን ብዝወረደ ህጹጽ መምርሒ፡ ብጥቆማ ኣማሓዳሪ ን/ዞባ ዓረዛ መሓመድ ሓምድን ኣዛዚ ክ/ሰ 31 ኮ/ል ክብሮም ዳኘው (ወዲ ኣቸቶ)ን ኣብ ደብሪ ኣብነ መርቆርዩስ ከም ዝተረኸበ፡ ድሕሪ ገለ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ነጋዳይ ሳምሶን ገረዝጊሄር (ወዲ ቀሺ) ብዕለት 19.10.2007 ካብ ኣባላት ክ/ሰ 31 ብዝተተኮሰ ጥይት ኣብ ኣፍ ልቡ ተሃሪሙ ከምዝሞተ ገሊጸ ነይረ፡፡ ሎሚ ኣብዚ 5ይን ናይ መወዳእታን ክፋል ጽሑፍ፡ ብምኽንያት ጉዳይ ፍቕረን ሳምሶን ዝተኣሰሩ ዜጋታትን ስዒቦም ዝተረኣዩ ኩነታትን ክገልጸልኩም፡፡

ኣብ ደብሪ ኣብነ መርቆርዩስ ከባቢ ኣብ ዝተረኸበት ናይ ሳምሶን ሄሊኩስ ዳብል ስፖርቴሎ መኪና፡ ብኣባላት ክ/ሰ 31 4ይ ብርጌድ፡ 3 ክላሽን፡ 15 ወትሃደራዊ ኣልባሳት፡ 3 ሞባይላት፡ 3 ናይ ፖሊስ ሰሌዳን ካልኦት ደቀቕቲ ነገራትን፡ ከምኡ እውን ኣብርሃም ኣስመላሽ ብዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ዝወጸ ናይ ባንኪ ቡክ ተረኺቡ ምንባሩ ገሊጸልኩም ነይረ፡፡ እቶም ንምምስሳል ብውጩ ዝተዓደልዎ ወትሃደራዊ ኣልባሳትን መሕለዊ ነብሶም ክላሽናትን ምስተረኸቡ፡ ሳምሶን ወዲ ቀሺ ንፕረሲደንት ክቕንጽል ብCIA (ማወስ) ተወዲቡ ኔሩ ዝብል ወረታት ከላብዑ ጀመሩ፡፡ ብፈተነ ቅትለት ኮ/ል ስምኦን ዝተጠርጠሩ ነቶም ክልተ ምስ ሳምሶን ዝነበሩ ሰባት ንምሓዝ፡ ኣባላት ክ/ሰ 31ን ካልኦት ኣሃዱታትን ብህጹጽ ኣብ ዝተዋፈርሉ እዋን፡ ሃንደበት ካብ ሓይሊ ኣየር ዝተልኣኸት MI 17 ሄሊኮፍተር ካብ ማይዲማ ናብ ዓረዛ መውጽኢ ኣብ ዝርከብ ንእሽተይ ጎልጎል ዓለበት፡፡ ኣብቲ ኩነታት ዝተሳተፉ ኣባላት ክ/ሰ 31ን ኣባላት ሓይሊ ኣየርን በቢወገኖም፡ ዘዝረኣይዎ ስለ ዝዛረቡ፡ ክሳብ ሕጂ ገለ ለወሃት ሳምሶን ብሂወት ዘሎ ይመስሎም ኢዩ፡፡ ስድራቤት ሳምሶን እውን ከምቲ ንቡር፡ ሬስኡ ስለ ዘይተውሃቦም ጥራሕ ክሳብ ሕጂ ኣይቀበጹን፡፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ባዕሉ ንዝቐዘፎም ሰባት ህልዋት ንምምሳል ናይ ሓሶት ህላወ ወረ ብምንፋስ ስድራ ቤት ከይሓቱ፡ ኮነ ኢሉ ይሰርሕ’ዩ፡፡

ነቶም ካብ ደብሪ ዘምለጡ ክልተ ሰባት ንምህዳን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምእላሽ መስርሕ፡ ሃንደበት ካብ ኣዛዚ ክ/ሰ 11 ኮ/ል ጊላይ ተወልደብርሃን (ኣብዚ እዋን ኣዛዚ ክ/ሰ 23) “ነቶም ክልተ ካብ ደብሪ ዝጠፍኡ ሰባት ሩባሩባ ገይሮም ናብ ከባቢና ስለ ዝመጹ ኣብ ቀይዲ ኣእቲኖዮም ኣለና” ዝብል ሓበሬታ ናብ ስርሒት ዞባ 03 (ናብ ሜ/ጀነራል ዑመር ሓሰን ጠዊል) ለኣኸ፡፡ ኣብቲ እዋን ካብ ከባቢ ማይ ላም ክሳብ ከባቢታት ማይዲማ ዝነበረት ክ/ሰ 11 ብኮ/ል ጊላይ ተወልደብርሃንን ብወዲ ባሻይን ትምራሕ ዝነበረት ኢያ፡፡ ኣብ ቀረባ ካብ ገለ ምንጭታት ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ድማ፡ ኣብቲ ዕለት ረፋድ ሰዓት 10፡00 እቶም ካብ ደብሪ ዘምለጡ ብክ/ሰ 11 ካልኣይ ብርጌድ ፡ 2ይ ቦጦሎኒ 3ይ ሓይሊ ከምዝተተሓዙን፡ ሳሚኤል (ወዲ ዓብደላ) ዝተብሃለ ኣዛዚ 2ይ ቦጦሎኒ ብቐጥታ ናብ ሓለቓ ስታፍ ክ/ሰ 11 ወዲ ባሻይ ከምዘረከቦምን፡ ምስ ኮ/ል ጊላይ ተረዳዲኦም ብህጹጽ ሓለዋ መዲቦም ናብቲ ሄሊኮፍተር ዝዓለበትሉ ቦታ ከምዘብጽሕዎምን’ዩ፡፡ ከም ሓለዋ ምስታ ሄሊኮፍተር ክሳብ ኣስመራ ዝተጓዓዙ ኣባላት ካብ ክ/ሰ 11.2.2. መራሕ መስርዕ ካብ ጋንታ ድሽካ ሽመንዲ ፍስሃጽዮን (ወዲ ዓንደን) ፍስሃየ (ወዲ ባሻይ) ዝተብሃለ ኣባል 2ይ ብርጌድ ሃ/ኣገልግሎትን’ዮም፡፡

ኣብ ኣስመራ ሞት ሳምሶንን ምትሓዝ ኣባላቱን ካብ ዝተሰምዓሉ ግዜ ጀሚሩ፡ ኩላቶም ኣካላት ጸጥታ ሰባት እንዳዋፈሩ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ምእካብን ኣብ ምቕያድ ዝተፈላለዩ ዜጋታት ተጸሚዶም ነይሮም፡፡ ጎኒ ንጎኒ ከኣ ጉዳይ ሳምሶን ካልእ መልክዕ ንምትሓዝ ማእለያ ዘይብሉ ዕጥቂ ሒዙ ከምዝተረኸበን ብግዳማውያን ተወዲቡ ዕልዋ መንግስቲ ከካይድን ዓበይቲ ሰበስልጣናት ናይ ምቕንጻል መደባት ከምዝነበሮ ብኣካላት 03 ተፈነወ፡፡

ካብ ማይድማ ብነፋሪት ንዝመጹ ናይ ሳምሶን ተሓባበርቲ ተረኪቡ ምሉእ ምጽራይ ከካይድ ሓላፍነት ዝተዓደሎ መጀር ካሕሳይ በየነ ኮይኑ፡ ምስ ሰለስተ ኣባላት ቤ/ጽ ፕረሲደንት ብምኻን ብጸለምቲ መካይን ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ሓይሊ ኣየር ተረኪብዎም፡፡ ኣብዛ ዕለት ኣብ ልዕሊ ኮሎኔል ስምኦን ገብረድንግል ፈተነ ቅትለት ካብ ዘካየዱ እቶም ካብ ማይ ድማ ዝመጹ እሱራት
1. እሰይ ኢሳቕ (ወዲ ኢሳቕ)
2. ኣንገሶም (ወዲ ዓዲ ንፋስ) ዝተብሃሉ እዮም፡፡ ክቡራት ኣንበብቲ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝገለጽኩዎ ናይዞም ዜጋታት ዝርዝር ሓበሬታን ሰነዳትን ካብቶም ድሕሪ መርመራ ቀልጢፎም ዝተወገዱን ምናልባት ኣብ ውሽጣዊ ጸጥታ ምስ መጀር ካሕሳይ በየነ ጥራሕ ዝርከቡን ‘ዮም፡፡ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ለጊቦም ኣብ ኣስመራ ነቶም ጡርጡራት ኣብ ምቕያድ ዝለዓለ ኣበርክቶ ዝነበሮም ብጀነራል (ሽዑ ሜ/ጀነራል) ፍሊጶስ ዝምርሑ ኣባላት ስርሒት 05 (ኣብዚ እዋን ተወርዋሪ እዚ) ነይሮም፡፡ ካብዚኣቶም እቲ ብዝለዓለ ዝተዋስአ ጎብለል ዓዲኣቤቶ ብምኻን ብዙሓት ዜጋታት ዘጋፍዐ ሌ/ኮ ኢሳቕ ሃብተማርያም (ወዲሙቁር) ኮይኑ ንሱ’ውን ዕጫ “ዝቆሰለ ዝብኢ” በጺሑዎ ድሕሪ 4 ዓመት ናብ ጉድጓድ ተድርቢዩ’ዩ፡፡ ብጀካ እቶም ክልተ ብክ/ሰ 11 ዝተተሓዙ ኣባላት፡ ቀጺሉ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒታት ካብ ዝተፈለለዩ ከባቢታት ተስፋኣለም ዝተብሃለ ናይ ውጩ ኣውቲስታ (ሓዉ ንኣባል ወ.ሃ.ድ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣካል ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝነበረን ደሓር ዝደስከለ ሌ/ኮ ዮናስ ዘርኣይ) ከምኡ’ውን ተስፋኣለምን ጸጋይ ዕቑባይን ዝተብሃሉ ክልተ ደቂ ዓዲንፋስ’ዮም፡፡

ብሓፈሻ ምስ ናይ ኮ/ል ስምኦን ፈተነ ቅትለት ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎም ተባሂሎም ዝተፈለዩ እዞም 4 ዜጋታት’ዮም፡፡ ብኣባላት ሃገራዊ ድሕነት (ውሽጣዊ ጸጥታ) ኣሰቃቒ ማህረምቲ ወሪድዎም ኢዩ፡፡ እዞም 4 ዜጋታት ምስተቐየዱ ቐጥታ ኢሳይያስ ንኩለን ዝተዋፈራ ኣሃዱታት እንዳረኸበ ኣብቲ ጉዳይ ይብዛሕ ይውሓድ ዝኾነ ዓይነት ምትእስሳር ዘለዎ ሰብ ኣብ ቁጽጽር ክኣቱ ከምዘለዎ ስለ ዝሓበረ ብሰንኪ ፍቕረን ሳምሶንን ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ኩለን መደበራት ዞባ ማእከል፡ ዓዲኣቤቶ፡ ምዕጢር፡ ደቂምሓረ (እንዳ እቡነኣረጋዊን) ዓላን ተቐይዶም’ዮም፡፡ ዳርጋ ኩሎም እሱራት ብዘይዝኾነ ናይ ፍርዲ መስርሕ ብኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታን ጨንፈር ምቁጽጻር ስነ-ስርዓት ስርሒት ዞባ 05 ኣሰቃቒ መርመራ እንደተኻደሎም ቀስ ብቐስ ገሊኦም ብምፍርራሕን ኣብ ዕቱብ ምክትታል ከምዘለው ተሓቢርዎም፡ ካብ መዓልታት ክሳብ ዓመታት ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ኮይኖም፡ እቶም ፋይላቶም “ብቐንዲ ተሓባበርቲ” ዝተመሓላለፈሎም ከኣ ናብ ማይ ስርዋ ክኣትው ተገይሮም፡፡

ኣብ ሃገርና ብሰሪ ብርቱዕ ሙቐትን ቀዝሒን ካብቶም ኣንጉዕኻ ዘንቅጹ ኣሰቀቕቲ ቤት ማእሰርታት ሓደ ኣብ 2001 ብሜ/ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ብኸቢድ ገብን ንዝጥርጠሩ እሱራት ተባሂሉ ዝተሃንጸ ካብ ኣስመራ ንመገዲ ከረን ኣስታት 6 ኪ/ሜትር ርሒቑ ኣብ ጥቓ ዓዲሃብተስሉስ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ኢዩ፡፡ ጀነራል ፍሊጶስ ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 05 (ተወርዋሪ እዚ) ኮይኑ ካብ ዝተመዘዘሉ ግዜ ጀሚሩ ፈለማ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ስነ-ስርዓትን ስርሒት ዞባ 05 ተጠርኒፋ ምስ ቤት ማእሰርታት ዓዲኣቤቶ፡ ዓላ፡ ማይሑጻ (ድሒሩ ዝተኸፈተን) ሰረጀቓን ዝጸንሐት ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ፡ ፍሊጶስ ሓለቓ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኮይኑ ምስተመዘ እውን ካብ ግንባር ኣውጺኡ “ምክትታልን ምጽራይ ጉዳያትን” ዝብል ስም ከቲቡ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ክጥርነፍ ጌርዎ ’ዩ፡፡ ኣብዘን ቤት ማእሰርታት ካብ ዝቕየድ ዜጋ ብህያብ (ጉቦ)፡ ብዋሕስ፡ ብመቕጻዕቲ፡ ብምህጋርን ምፍርራሕን ፍሊጶስን ዓሳክሩን ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ኣኻዕቢቶም እዮም፡፡ ዓዲኣቤቶ ምንጪ ማእለያ ዘይብሉ ማል ስለዝኾነት ጀነራል ፍሊጶስ ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ክምዘዝ እንከሎ ኩሉ ኣብ ትሕቲኡ ኣብ ተወርዋሪ እዚ ዝነበረ ጨንፈራትን ኣፍረይቲ ትካላትን ንብ/ጀነራል ሓድሽ ኢፍሬም ከርክብ እንከሎ እዘን ቤት ማእሰርታት ግን ብኢደዋኒኑ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ገይሩወን ‘ዩ፡፡ ንዓመታት ብዙሓት ዜጋታት ዘጋፍዑ በዓል ወዲ ሙቁርን ዮውሃንስ ገብረመስቀል (ወዲ ጋላን) ምስተኣሰሩ ብቦትኦም ብፍሊጶስ ዝተመረጹ መጀር ብርሃነ ከበደ (ወዲ ከበደን) ተጋ/ ካሕሳይ ሃይለ (ወዲ ሃይለን) ምስ ዝተመዙ ታሪኽ ደምን ጥፍኣትን ዘቐጽሉ ከም በዓል መርማሪ ሚኪአለ ኢሳቕ ዓይነት 7 መርመርቲ ተወሲኾም’ዮም፡፡

ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ኣብ ክልተ ዝተመቐለ ኮይኑ ብልሙድ ኣጸዋውዓ፡ ናይ ዝረኣዩን ዘይረኣዩን ተባሂሉ ይጽዋዕ፡፡ እቶም ዝረኣዩ ንሸነኽ መዘናግዒ ማእከል ማይስርዋ ዝርከቡን መብዛሕትኡ ግዜ ብኮንትሮባንድ፡ ኣስገርቲ፡ ስግረዶብ፡ እምነትን ካልኦትን “ቀለልቲ” ገበናትን ዝተጠርጠሩ’ዮም፡፡

እቶም ዘይረኣዩ ድማ ካብቶም ዝረኣዩ እሱራት ኣስታት 400 ሜትሮ ርሒቖም ካብ እንዳ መርመርቲ ንሸነኽ ጸጋም ኣብ ዝርከባ 73 ሸላታትን 32 ኮንተኔራትን ዝተቐየዱ ፍርዶምን ፈራዲኦምን ዘይፈልጡ፡ ሰብ ዘይበጽሖም፡ መገማጠሊ ኣብ ዘይብለን ክልተ ብክልተ ሜትሮ ብካሻስትሮስ ዝተሃደማ ሸላታትን ኮንቲኔራትን ዝነብሩ፡ ብ“ፖለቲካን” ብጉዳይ “ጸጥታን” ዝተጠርጠሩ እሱራት እዮም፡፡ እተን ሸላታት 30 ብ30 ሳ.ሜትር መቐበሊ መግቢ ፊኒስትራ ዘለዎን ኮይነን ልቺ የብለንን፡፡ መደቀሲኦም ተንኮበት፡ መግቦም ዓደስን ወዲ ዓከርን ኮይኑ፡ ኮሎኬ ምእታው ዘይፍቀደሎም፡ ንጉሆ ሰዓት 06፡00 ጥራይ ንቀልቀል ዝወጹ፡ ኣብ ሕድሕድ ሸላ መእከቢ ሽንቲ ኣብርቕ (ቖራዕራዕ) ዝተገብረሎም ኣብ ኣዚዩ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ እሱራት’ዮም፡፡

ብጉዳይ ሳምሶንን ፍቕረን ተታሒዞም ድሕሪ ኣሰቃቒ ማህረምቲ ፋይላቶም “ብቐንዲ ተሓባበርቲ” ዝተመሓላለፈሎም ናብ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ዝተልኣኹ እሱራት፡ መብዛሕትኦም ነጋዶ፡ ኣባላት ፖሊስን ውሽጣዊ ጸጥታን እዮም፡፡ ካብ ነጋዶ ዘርኣጋብር ገብረሂወት፡ ተስፋለም ጎባይ፡ ጊላይ ኣብርሃ፡ የማነ ኣብርሃ፡ ኣስፍሃ ዘሚካኤል፡ መሓመድ ሓሰን (1.5 ሚሊየን ንጀነራል ፍሊጶስ ጎቦ ሂቡ ቅድሚ 5 ዓመት ከምዝወጸ ሰነዳት ቤ/ጽ ፕረሲደንት ይጥቁም)፡ ሰለሙን ኣባይ፡ በኹረ (ወናኒ ህያብ ፌራሜንታን) ተወልደ (እንዳ ቆራይ) ምስ ሰበይቱን ነይሮም፡፡

ካብቶም ኣብ ፈተነ ቅትለት ኮ/ል ስምኦን ብቐጥታ ዝተሳተፉ 4 ዜጋታት ብተወሳኺ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተመዲቦም ዝነበሩ ናብ ማይስርዋ ዝኣተው እሱራት ዝስዕቡ ይርከብዎም፡፡

ካብ ፖሊስ ኤርትራ

ኣብ ፖሊስ ኤርትራ ምእሳር ዝተጀመረሉ ድሕሪ ሞት ነጋዳይ ፍቕረ ኮይኑ መብዛሕትኦም ብኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት (ውሽጣዊ ጸጥታ) ተኣሪዮም ሓጺር መርመራ እንዳተገብረሎም ብዘይዝኾነ፡ ሕጋዊ መስርሕ ናብ ማይ ስርዋ ዝተደርበዩ እዮም፡፡

1. ኮ/ል ኣስመሮም ገብረወልድ (ወዲ ገብረወልድ) ሓለፊ ገበን ምክልኻል ፖሊስ ኤርትራ፡
2. ኮ/ል ጎይቶኦም (ወዲ በኺት) ሓላፊ ገበን መርመራ ፖሊስ ኤርትራ
3. ኮ/ል ሰሎሞን ብርሃነ ሓላፊ ምምሕዳር ፖሊስ ኤርትራ
4. ኮ/ል ኢሳያስ ዮሴፍ (ወዲ ዮሴፍ) ምክትል ሓላፊ ገበን መርመራ ፖሊስ ኤርትራ
5. መጀር ኣስመሮም ኣስገዶም (ባርባ) ሓላፊ መርማሪ ፍሉይ ገበናት
6. መጀር ፍርዝጊ ህብታይ ሓላፊ ምክትታል ገበናትን ድራግን
7. መጀር ክብረኣብ ኣብርሃ (መርማሪ)
8. ካፒተን የማነ መርማሪ
9. ተለንተ ኪሮስ መርማሪ (ደሓር ዝተፈትሐ)
10. ተለንተ ተኪኤ ገብረሂወት (ም/ሓላፊ ክፍሊ ድራግ)
11. ም/ተለንተ ሕሩይ ኣስመላሽ (ካብ ክፍሊ ድራግ)
12. ሳሚኤል የዕብዮ (ካብ ክፍሊ ድራግ)
13. ሳሚኤል ትኩእ (ካብ ክፍሊ ድራግ ) ኮይኖም፡ እዞም ኣባላት ፖሊስ መብዛሕትኦም ኣብተን ሸላታት ተሓይሮም ይርከቡ፡፡

ካብ ሃገራዊ ድሕነት

ካብቶም ኣብ ከባቢ ኣጅብ ባር ውርሕርሕን ካልኦት ባራትን ምስ ንነጋዳይ ሳምሶን ክዕጅቡን ሓቢሮም ክሰትዩን ዝሓድሩ ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ክውዕሉ ብኢሳይያስ ዝተበየነሎም “ብዙሕ ትርጉም የብሎምን” ዝተብሃሉ ክልተ ኣባላት ጥራይ እዮም፡፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ውሽጣዊ ጸጥታ ሓያል ሕንፍሽፍሽ ስለዝተፈጠረ ኩሉ “ካብ ሎም ጽባሕ ወሰዱኒ” እንዳበለ ኣብ ዝዘርጠሉ እዋን፡ ኢሳይያስ ነታ ዓንኬል ኣብ ክልተ ሰባት ጥራሕ ጠጠው ኣቢልዋ፡፡ ንቡር ታሪኽ ሐለዋ ሰውራን ድሕሪ ናጽነት ዝተኻየዱ ስውር ዓፈናታትን ንዝፈልጥ ሰብ፡ ኢሳይያስ ስለምንታይ ከምኡ ከምዝወሰነ ምርድኡ ኣየጸግምን፡፡ ንጅግና ተጋዳላይ ኢብራሂም ዓፋ ንምጥፋእ ካብ ዝተኸየደ ስውር ስርሒት ጀሚርካ፡ ኣብ ኩሉ ክፋእ ተግባራት (እንኮላይ ኣብ ጀርመን፡ ሶማል፡ የመን፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን) ዝተሳተፈ፡ ኢዱ ብደም ዝተሓጸበ፡ ቀንዲ ታሪኻዊ መጋበርያ ኢሳይያስ ዝኾነ ሓለፊ ወፍርታት ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ኮሎኔል የማነ ኣፈወርቂ፡ ዋላ ሚስጢራት ኮሎኔል ስምኦን ገብረድንግል ዝምልከት ሓበሬታ የዝሩቕ ምንባሩን፡ ምስ ሳምሶን ጥቡቕ ምትእስሳር ከምዝንነበሮን እንዳፈለጠ፡ “ኣያይ ኢሳይያስ” ከምቶም ጨካናት ሓራምዝ (ውጩን ዓፋንን) ከድሕኖ እዩ መሪጹ፡፡ የማነ ኣፍወርቂ ከኣ፡ ዕድሚኡ ምስተናውሐ፡ ነቶም መቕርቡ ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ብግዲኡ ዳዕሮ ኮይኑ ከድሕኖም ከኣለ፡፡ ብመሰርት’ዚ ድማ እቶም ኣባላት ዓፈናን ስጉምትን መጀር ነጋሲ ኪዳነ፡ መጀር ግደ ዓንደ ወልድ፡ ካፒተን ጎይቶም ቀይሕ፡ መጀር ሙሉጌታ ኣማረ (ሙለር) ካብ ሸላታት ማይ ስርዋ ዲሒኖም ን“ኣያይ” ከሕጉሱ ኣብ ምጽናት ዜጋታትና ብልዑል ወነ ክነጥፉ ቃልኪዳኖም ሓዲሶም ቀጺሎም’ዮም፡፡ እቶም ኣሕሊፎም ዝሃብዎም “ብዙሕ ትርጉም ዘይብሎም” ዝተብሃሉ ኣባላት፡

1. መጀር ጎይቶኦም ወዲ ቢኒ፡ ኣባል ዞባ ማእከልን ኣካል ግብረ ሽበራን ዝነበረ ኣብ ሸላ ማስርዋ 3 ዓመት ተኣሲሩ ኣብ 2011 ተፈቲሑ ናብ በለዛ ዝተቐየረ፡ ምስተፈተሐ ብሕርቕርቖት እንዳመስተ ክጣለቐ ሓዲሩ ናብ ማእከላይ ቤ/ጽ እንዳ ጸጥታ (ቻው ሆቴል) ብምኻድ ኣዕገርጊሩ፡ ንየማነ ኣፍወርቂ ክጸርፎ ምስ ጀመረ ንኢሳይያስ ተሓቢሩ፡ ናይ ግሉ መኪና (ራቫ 4) መንጢሎም ዳግማይ ናብ ማይስርዋ ዳጊኖምዎ፡፡ እታ መኪና ክሳብ ቀረባ እዋናት ኣብ ቤ/ጽ ኒያላ ምስበዓል በረኸት ጉዕሽን ወዲ ከረንን ኔራ፡፡

2. በርሀ ባሻይ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ትሕቲ ኣካል ግብረ ሽበራን ዓፈናን ንጡፍ ዝነበረ መበቆል ዓዱ ካብ ትግራይ ኮይኑ ሓፋሽ ወድባት ብምኻን ናብ ናጽነት ዝኣተወ፡ ኣብ ኣጻምእ ማይኣጣል 2001 ኣብ ምቕንጻል ኢትዮጵያውያን ዝተሳተፈን ብጉዳይ ሳምሶን 3 ዓመት ተኣሲሩ ዝተፈተሐ እዩ፡፡ ሕጂ ደስኪሉ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ፎሮቪያ (ጥቓ እንዳሚዛን) ኮፍ ኢሉ ይርከብ፡፡

ኣብ ማይ ስርዋ ዝርከቡ እሱራት ብሰሪ ዝወረዶም ማህረምትን ሓያል ስነ-ኣእምራዊ ጸቕጥታትን ዳርጋ ኩሎም ግዳያት ዝተፈላለዩ ሕማማት ኮይኖም’ዮም፡፡ ብፍላይ እቶም ገዳይም ተጋደልቲ ኣባላት ፖሊስ ብብርቱዕ ዛሕልን ሙቐትን ዝለመሱን ድኻም ማሕውራት ዝጎነፎም፡ ደገ ስለዘይወጹ ብጸልማትን ደሮናን ኣዕንቶም ምርኣይ ዝጽገሙ፡ ኣዝማን ሕጽረት ምስትንፍሳን ዘጓነፎም፡ ከምኡ ውን ቀጻሊ ብሕማማት ውጽኣት፡ ሓኻኺንን ብሮንካይትን ዝጥቅዑ ስለዝኾኑ መን ምኻኖም ንምልላይ ኣይከኣልን፡፡ ኣብ 2012 ዓው ኢሉ ስለዝተዛረበ ጥራይ፡ ኮ/ል ኣስመሮም ገብረወልድ (ወዲ ገብረወልድ) ተስፋሚካኤል ዝተብሃለ መራሕ ሓይሊ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ፡ ናብ ጀነራል ፍሊጶስ ስለዝሓበረ ብመቕጻዕቲ ን5 ወርሒ ዝኣክል እታ ጸባብ መቐበሊት መግቢ ፊኒስትራ ተዓጽያ ኣብ ጸልማት ክቕመጥ ተገይሩ ‘ዩ፡፡

መላእ ኤርትራ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ኣብ ዝነበረትሉ፡ ኣብ ኩለን ካብን ናብን ዘራኽባ መገድታት ማእለያ ዘይብሉ ሎኮታት ኣብ ዝተዘርገሓሉ እዋን፡ ጎብለል ስርሒት ዞባ 02 ሜ/ጀ ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ካብ መእዘዚ ማእከሉ ባረንቱ ናብ መንደፈራ ከይዱ ነቲ ኩነታት ይከታተሎ ነይሩ፡፡ ደብሪ ኣብነ ማርቆስ ብሳምሶን ብዝተገብረ ሓገዝ ዝተሃነጸ ኮይኑ፡ ኣብቲ እዋን ውጩ ንኣዛዚ ክ/ሰ 16 ነበር ሃብተጽዮን ጽገ (ሓኔታይ) ኣብ ምህናጽ ሓገዝ ክገብሩሎም ስለ ዝኣዘዞ ብፍላይ ኣባላት ስለያ ክ/ሰ 16 ኣብቲ እዋን ሓጊዞምዎም ኢዮም፡፡ ብዕለት 13 ኮ/ል ስምኦን ክህረም ከሎ፡ ማዕረ ማዕረ ኢሳይያስ ካብቶም ብህጹጽ ሓበሬታ ዝረኸቡ ሓደ ውጩ ኮይኑ ሞባይሉን ቴሌፎናት ቤ/ጽሕፈቱን ኣቐዲሙ ክጥለፍ ጸኒሑ ኢዩ፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ!

ኣብቲ ጽንኩር እዋን፡ ብሓፈሻ ናይ 7 ጀነራትን ምስኣቶም ምትእስሳር ኣለዎም ናይ ዝበሃሉ ገለ ሃብታማት ቴሌፎናት፡ ብትእዛዝ ኢሳይያስ ኣብ ክፍሊ ጠለፋ ኣትዩ ነይሩ፡፡ ኣብ’ቲ እዋን ሰለስተ ኣካላት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ’ቶም ወትሃደራውያንን፡ ሓለፍቲ ጸጥታን፡ ቀጻሊ ጠለፋታት የካይዱ ነይሮም፡፡ ካብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ክፍሊ መራኸቢታትን ጠለፋን መጀር ኣክሊሉ ሃብተማርያም (ቸንቶ)፡ ሌ/ኮ ሙሉጌታ (ጆሮ)ን ኣብርሃምን ዝተብሃሉ ሓለፍቲ ተመዚዞም፡፡ ካብ ማእከላይ ቤ/ጽ ውሽጣዊ ጸጥታ ሓላፊ ክፍሊ መራኸቢታት ሌ/ኮ ጥዑማይ ዝመርሖ ጉጅለን ከምኡ ውን ካብ ማእከላይ ቤ/ጽ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ብሓላፊ “ጨንፈር 2” (ክፍሊ ጠለፋ) ኮ/ል ሊንጎ ዝለኣኹ ሓበሬታታት እውን ነይሮም፡፡ ብፍላይ ብበዓል ቸንቶ ኣብቲ እዋን ካብ ዝነበራ 8 ናቑጣታት ጠለፋ ማለት ካብ ዓራቶ፡ ራምሎ፡ ደብረ ጥሉል፡ ዓይገት፡ ጨለማ፡ ኦማል፡ ኣውላን ጀበል ሓሚድን ዝተኣኻኸብ ሓበሬታ ዕዙዝ ተራ ነይርዎ፡፡ ንኣብነት ንኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሜ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስሉስን ብቑጽሪ 07137627 ዝተዓደለቶ ናይ ኢዱ ቴሌፎንን ካልኣዩ ናይ ዝነበረ ብ/ጀነራል ነጋሽ ትስፋጽዮን ብቑጽሪ 15 16 22 ቴሌፎኑን ብቑጽሪ 07 13 68 27 እትፍለጥ ሞባይሉን ኣብ ምጽንጻን ክፍሊ ጠለፋ ተመዝጊበን ነይረን፡፡ ውጩ ‘ውን ብገርሁ ዝዛረቦ ዘረባታት ከይተረፈ በብበዓል ቸንቶ ተኣሪዩ ናብ ፕረሲደንት ይበጽሕ ነይሩ፡፡

ኣብቲ ተኣፋፊ እዋን፡ ኮ/ል ስምኦን ብምህራሙ ኢሳይያስ “ሕጉስ ነይሩ፡ ስምኦን ክእለዬሉ ይደሊ ነይሩ” ዝብል ብገለ ሓለፍቲ ይዘረብ ነይሩ፡፡ ከም ሳክቲዝም ኣነ ውን እዚ ዘረባ ምኽኑይ ኮይኑ ይስመዓኒ፡፡ ኢሳይያስ ኣብቲ እዋናት ማህረምቲ ስምኦን ናብ ሞት ከብጸሖ ይምነ ነይሩ እዩ፡፡ ኮ/ል ስምኦን ኣብ ሆስፒታል ምስኣተወ ብመገዲ ኮ/ል ተስፋልደት ኣቢሉ ካብ ዝረኸቦ ሓበሬታ ወጻእ፡ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ በጺሑዎ ኣይፈልጥን፡፡ ብካልእ ሸነኽ፡ ንጉዳይ ፍቕረን ሳምሶንን ከምኡ ውን ላዕለዎት ሓለፍትን ኣመልኪቱ ናይ ጠለፋ ሓበሬታት ዘቕርበሉ ዝነበረ መጀር ኣኽሊሉ ሃብተማርያም (ቸንቶ) ብዕለት 13.10.2007 ኮ/ል ስምኦን ፈተነ ቅትለት ክግበረሉ እንከሎ ካብቶም ኣብ ከባቢ ባር ኣኩላ (Aquila) ዝነበሩን ብህጹጽ ኣልዒሎም ናብ ሆስፒታል ዘብጽሑ 4 ኣባላት ሓደ ኔሩ፡፡ ድሕሪ ማህረምቲ ኮ/ል ስምኦን ኣብ ሳልስቱ ሌ/ኮ ኣማኑኤል ተስፋጋብር (ክፍሊ ሓለዋ ቤ/ጽ ፕረሲደንት) ኣብ ካስቴሎ መቐበል ኣጋይሽ ንኣባላት ሓለዋ ቤ/ጽ ኣኪቡ “ብጻይ ስምኦን ሳላ ቸንቶ ድሒኑ፡” ክብል ተዛሪቡ’ዩ፡፡

ኣባላት ሓለዋ ቤ/ጽ ፕረሲደንት፡ ብፍላይ ኣብቲ እዋን ካብ ዝነበረት ብሌ/ኮ በረኸት ወልደሚካኤል ትምራሕ 4ይ ሽፍቲ ቴድሮስ ገብረመስቀል ዝበሃል ኣባል ዝመርሖም ሓንቲ ጋንታ ብህጹጽ ናብቲ ቦታ ምብጽሖም ሌ/ኮ ኣማኑኤል ከም እውንታ ኣልዒሉ ተዛሪቡ ኢዩ፡፡ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ኣብ ምምሕልላፍ ትእዛዛት ኢሳይያስ ተጸሚዱ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሜ/ጀነራል ውጩን ብ/ጀነራል ዓፋንን ከኣ ንባዕላቶም እንዳተሸቑረሩ በቢወገኖም ንገሊኦም ከድሕኑን ንገሊኦም ከኣ ኣሕሊፎም ክህቡን ተራኢዮም፡፡
ነታ ኣብ 4ይ ክፋል ጽሑፈይ ዝጠቐስኩዋ ኮ/ል ስምኦን ዝተሃርመላ መኪና ሰሚያዊ ሕብሪ ከምዝነበራ ዝገለጽኩሉ ምኽንያት ኣብ ክልተ ሰነዳት “ብሰማያዊ ሕብሪ” ስለ ተሰነደት ኮይኑ እዛ መኪና ኣብ ማይተመናይ ተታሒዛ ድሕሪ ግቡእ ምጽራይ ተሃጊራ ኢያ፡፡ ፈለማ ኣብ ቤ/ጽ ቲራቬሎ በጨርቂ ተሸፊና ምስ ጸንሐት ደሓር ከኣ በዓል በረኸት ጉዕሽ (ወዲ ጉዕሽ) ናብ ዝርከብዎ ቤ/ጽ ኒያላ ተወሲዳ ኢያ፡፡ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ናብ ጋራዥ ዓምበርበር ተላኢኻ ከም ብሓዱሽ ተመሊጣ ካልእ ዓይነት ሕብሪ ተላኺያ ኣብ ውሽጣዊ ጸጥታ ደው ኢላ፡፡ ድሕሪ ፍጻመ ግን እታ መኪና ሕብራ ቀይሕ ምንባሩን መጀር ነጋሲ ኪዳነ ብዝመርሖም ኣባላት ጸጥታ ከም ዝተረኸበት ተረጋጊጹ ኢዩ፡፡ ድሕሪ ቅትለት ሳምሶን እውን ኣባላት ጸጥታ እንዳተዋፈሩ ኣብ ልዕሊ ስድራቤቱ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት ኣብጺሖም’ዮም፡፡ ካብ ወዲ 80 ዓመት ወላዲኡ ቀሺ ገረዝጊሄር ጀሚርካ፡ ኣቦ ክልተ ስውኣት ዝኾኑ ሰብኡት ኣሓቱ፡ መሳርሕቱ፡ ኩሉ ንሳምሶን ዝፈልጥ ዘበለ ኣስታት 100 ዝኸውን ሰብ ኣብ ዝተፋላለዩ ቤት ማእሰርታት ተኣሲሩ፡፡ ብርክት ዝበለ ንብረት ሳምሶንን ስድራቤቱን ተሃጊሩ፡፡ ንኣብነት ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ጀነራል ፍሊጶስ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ዘሎ፡ ኣብ ማይ ሑጻ ዝርከብ ጀርዲንን፡ ኣብኡ ዝነበረ ኣባይትን ናእሽቱ መካይንን ኩሉ ተወሲዱ እዩ፡፡ ንፍርቂ ዝውንኖ ዝነበረ ሚዲያን ሆቴል ንዓመታት ተሃጊሩ ጸኒሑ ኣብ 2016 ንኦሎምፒካዊ ኣትሌት ዘርኢሰናይ ታደሰ ብቑጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቢሉ ተሸይጥሉ እዩ፡፡ ዝተረፈ ትካላቱን ገዛውቱን ድማ ሰራዊት ተመዲብሉ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ይርከብ፡፡

ብሓፈሻ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ዝጸንሐ “ስርሒት” ሳምሶንን ፍቕረን ኣብ ታሪኽ ህግደፍ ካብቶም ኣዚዮም ተኣፈፍቲ ጉዳያት ሓደ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘስዓቦ ምክልባትን ዘይምትምማንን ክሳብ ሕጂ ቀጺሉ ኢዩ፡፡ ኮ/ል ስምኦን ኣብ ዝተሃረመሉ ግዜ ነቲ ጉዳይ፡ ዝተወሰኑ ሓለፍቲ “ጉዳይ ኣከለጉዛይን ሓማሴንን” ዓይነት ኣውራጃዊ መልክዕ ከትሕዝዎ ፈቲኖም ‘ዮም፡፡ ኢሳይያስ ኣውራጃውነት ካብ ቁጽጽሩ ወጻእ ተጓሃሂሩ ንስልጣኑ ሓደጋ ከይፈጥር ልዑል ስክፍታ ስለዝነበሮ፡ ኣብ ሞንጎ እቶም ጎባልል ሕንፍሽፍሽ ኣእቲዩ ዘስደምሙ ስጉምታት ብምውሳድ ነቲ ጉዳይ ከተሃዳድኦ ፈተኑ ‘ዩ፡፡

ንሳምሶን ግዳይ ብምግባር ኣብ ሞንጎ እቶም መናሕንሕቲ ጀነራላት ዝነበረ ምትፍናን ተደጊሉ ክጸንሕ ድሕሪ ምግባሩ፡ ቀጺሉ ካብቶም ኢሳይያስ ዝወሰዶም ማንም ሰብ ዘይተጸበዮም መሰድመም ስጉምታት፡ ኣብ ልዕሊ ኮ/ል ስምኦን ገብረድንግል ዝወሰኖም ውሳነታት እዮም፡፡ ፈለማ ኮ/ል ስምኦን ተሃሪሙ ክበሃል ድምብርጽ ዘይበለ ኢሳይያስ፡ ብህይወት ምትራፉ ምስ ኣረጋገጸ፡ ከም ነፋሒቶ ሕብሩ ለዊጡ ማዕርግን ሓላፍነትን ክገዝሞ ተራእየ፡፡ ብመሰረት እዚ ከኣ፡

1. ንኣስታት 6 ኣዋርሕ ዝኣክል ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ዝተሓከመ ኮ/ል ስምኦን ድሒኑ ናብ ቤ/ጽ ኣብ ዝኣተወላ መጀመሪያ ዕለት፡ ካብ ቤ/ጽ ጀነራል (ባልነኪ) ካብ ኮሎኔል ናብ ብርጋዴር ጀነራል መዓርግ ከምዝተሰጋገረ ዝገልጽ ደብዳቤ በጺሑዎ፡፡ ቅድሚ እታ ዕለት፡ ምሸት ኢሳይያስ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ንስብሓትን ጸዊዑ ብሓባር ዘቲዮም ዝኣለምዎ መደዓዓሲ ሜላ እዩ፡፡ ብርግጽ ተዓዊቶም ከኣ እዮም፡፡ ስምኦን ኣብ ውሽጢ ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ሓይልታት ምክልኻልን መዓልቲ ቆጺሩ ስሪኡ ከርእዮም ዝደሊ፡ ከም በዓል ሓላፊ ወጻእ ስለያ ኮ/ል ጋይም ተስፋንኪኤል፡ ውጩ፡ ዓፋንን ብ/ጀነራል ኣብርሃለይ ክፍለ ዓይነት መናሕንሕትን ጸላእትን ስለዝነበርዎ ካብ ኢሳይያስ ዝተመጠወሉ “ጀነራልነት” ብጸጋ ተቐቢልዎ ‘ዩ፡፡

ኢሳይያስ፡ ካብቶም ንፍርቂ ዘመን ክሰርሓሎም ዝጸንሐ ተንኮላት “ንሓደ ዝተበከለን ንፋስ ዝሃረሞን፡ ብእከይ ተግባራቱ ህዝቢ ዘለለዮ ሓላፊ” መመሊሱ ዝበለጸ ስልጣንን ጽፍሕን ብምዕዳል መዋእሉ ምእዙዝ ኮይኑ ክነብር ምግባር ‘ዩ፡፡

2. ኣብ ትሕቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ብምኻን፡ ንዓመታት ዘገልገለ ኮ/ል ስምኦን፡ ካብ ጀነራልነት መዓርግ ብተወሳኺ “ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን” ዝብል ሓድሽ ኣወዳድባ ተፈጢርሉ ማዕረ ማዕረ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ብምኻን ቐጥታ ተጸዋዕነቱ ንኢሳይያስ ኮነ፡፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ኢመግረሽን፡ ኣየር ሰኩሪቲ፡ ፖሊስ ኤርትራ፡ ኣገልግሎት ቤት ማእሰርትን ተሃድሶን፡ ጠቕሊሉ ክመርሕ ተገብረ፡፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ቤት ማእሰርትን ተሃድሶን ገዲም ተጋዳላይ ብ/ጀነራል ግርማይ መሓሪ “ብማሕዮ (ስምኦን) ኣይምራሕን” ኢሉ ስለ ዝሓንገደ፡ ቤት ማእሰርታት ጸጸራት፡ ሰምበል፡ ሓዝሓዝን ኣብ ኩለን ዞባታት ዝርከባ ድጓናታትን ጠርኒፉ ተፈሊዩ ወጺኡ እዩ፡፡

3. ብ/ጀነራል ስምኦን ምስቲ ሓድሽ ኣወዳድባ ብተወሳኺ ኣምባሳደራትን ቆንስሊያታትን ኣጽኒዑን መምዩን ናብ ኢሳይያስ ከቕርብ፡ ሲቪላዊ ጥርዓናት ኣባይቲ፡ ጤሳን ክፈትሕ፡ ተወሳኺ ጽፍሕታት ተዓዲልዎ እዩ፡፡

4. ድሕሪ መውጋእቱ ኣብ ድሕሪ ሆቴል ሳንሻይን ዝነበረ መንበሪ ገዝኡ ተቐይርሉ፡ ከም ህያብ ጥቓ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሚኤል፡ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ብ/ጀ ገብረኪዳን ሃብተኣብ (ወዲ ምነይን) ንኽቕመጥ ን10 ዓመታት ኣብ ሓደ ካንሸሎ ተሓይሮም ናይ ዝርከቡ ኣቦና ኣብነ ኣንጦንዮስ መንበሪ ዝነበረ ኣብ ከባቢ ጣባ ጥቓ ሆስፒታል መካነሂወት ዝርከብ እቲ ዝበለጸ ቪላ ተዓዲልዎ፡፡

ነዚ ብ5 ክፋላት ዘቕረብኩልኩም ጽሑፍ ሎሚ ከጠቓልሎ እንከለኹ፡ እግረ መገደይ ገለ ለቦዋታት ክገልጽ እደሊ፡፡ ከምቲ ዝተዓዘብኩምዎ ነጋዶ ፍቕረን ሳምሶን ናብ መቓብር ዘመርሑሉ ቐንዲ ምኽንያት ብሰንኪ ዝንቡዕን ዘይቅርዑውን ስርዓተ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገር ዝተፈጠሩ ሰብ ግዜ ጎባልል ባህሪያዊን ሰብኣዊን ጸጋታት ሃገር ብሒቶም ክንሱ፡ እንኮ መገድን ፈቐድትን ኩሉ ለውጥን ብልጽግናን ብምኻኖም እዩ፡፡ ነብሶም ንኽልወጡ፡ ልዑል ተበግሶን ድሌትን ካብ ዝነበሮም ዜጋታት ነጋዶ ፍቕረን ሳምሶንን ከኣ፡ ሕጊ ኣልቦ ኣብ ዝኾነ ሃገር “ወይ ጎቦ ኩን ወይ ምስ ጎቦ ተጸጋዕ” ከም ዝበሃል፡ ምርጭኦም ጎቦ ገይሮም፡ መወዳእትኡ ይትረፍ ዶ ክዕቆቡን ክልወጡን ብሕጋዊን ዘይሕጋዊን መገዲ ዘጥረይዎ ሃብቲ ተመንጢሎም ናብ መቓብር ወሪዶም ንታሪኽ ተሪፎም፡፡ ሓቂ እዩ!! ዕድመን ገንዘብን ተወሲኽዎ፡ ብናእዳ ጥራሕ ዘይሕለፍ ክልቲኦም ዝተፈላለዩ ናይ ባህሪ ጸገማት ነይርዎም ‘ዮ፡፡

ኣብ ዘመነ ጎባልል ሰብ ግዜ፡ ዝተፈጠረ እንኮ “ኢሳይሳዊ መናውራ” ፡ ኢሳይያስ በይኑ ገቢሉ ክወጽእ ምኽኣሉ ጥራይ እዩ፡፡ ኩሉ ሃገር ክልውጥ፡ ህዝባዊ ስርዓት ክተክል ዘዘንቀደ ፈቖዶ ኣንደራት ደርቢዩ ከብቅዕ፡ ሒደት ሰዓብቱ ሒዙ ዝተረፈ ኢሳይያስ፡ ኣብ’ቶም ምሉኻት ወትሃደራዊያን ናይ ጸጥታን ጎባልልን ምስ ተዓቆበ፡ ባዕሉ ብዝፈጠሮ ጸገማት፡ ኣብ ብልሽውና ተቖማጢዖም፡ ኣብ ምክልባት ህዝቢ ተዋፊሮም፡ ሕድሕዶም ክተፋፋነኑ እንከለው፡ ነቶም መገዲ ጠፊኡዎም፡ ብዝረኸብዎ መገዲ ተጠቒሞም ነብሶም ክልውጡ ዝተጸግዑ ወልቀ ነጋዶ ግዳያት ብምግባር፡ ነቶም ጎባልል ሰዓብቱ ክድሕን እዩ ዝመረጸ፡፡ እቶም “ሰዓብቱ” ‘ውን ኣይቀሰኑን፡፡ ክሳዱ ዘዘቕነዐ ሓላፊ፡ “ፋይላት” ከም ናይ በዓል ፍቕረን ሳምሶንን ዝኣመሰሉ እንዳገናጸለ “ንስኻ ከምዚ ዝኣበስካ፡ እንዲኻ” እንዳበለ ንመዋእል ደኒኖምን ተመሊኾምን ክነብሩ ገይርዎም እዩ፡፡

ቅልውላው ምምሕዳር እምበር ፍትሓዊን ርትዓዊን ፍታሕ ምሃብ ዘይባህሪኡ ኢሳይያስ፡ ቅድሚ 10 ዓመት ንመዋእል ዝገበለሉ ሜላ፡ ንግዚኡ ፍታሕ እንተመሰሎ፡ እቲ ሓቂ ግን ሃገር ተረሲዓ፡ ህዝባዊ መትከላት ተጨውዩ፡ ህዝብና ዘይንሱ መሲሉ፡ ወናኒ ታሪኽ ሞት፡ ጥፍኣትን ምብትታንን ዝገበረ እዩ፡፡ እቲ ከም ናይ በዓል ፍቕረን ሳምሶንን ዓይነት ንጹሃን ዜጋታት ግዳይ ገይርካ፡ “ገቢልካ ናይ ምውጻእ” ኢሳይያሰዊ ፍልስፍና ከኣ፡ ይትረፍ ዶ ንህዝብና ክጠቅም፡ ኣብ ሞንጎ እቶም ሰዓብቱ ውን ንመዋእል ዝተደጎለ ሓዊ ኮይኑ መመሊሱ ይልብልቦም ኣሎ፡፡

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ!

ልዕሊ ዝኾነ እዋን፡ ሃሱሳት ህግደፍ ኣንፈት ህዝቢ ንምጥምዛዝ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብልሉን ሃገርና ኣፍ ኣውጺኣ ደም እንዳነብዐት “ኣድሑኑኒ” ኣብ ትብለሉ ዘላ ኣብዚ ጽንኩር እዋንን፡ ጭርጭር ዓበደ ነገረ ኢሳይያስ ገዲፍና፡ ውድበይ ውድባካ፡ ቆላን ከበሳን፡ ኣስላማይ ከስታናይ ከይበልና ህዝብና ካብ ብርሰትን ምጽናትን ነድሕን… እዋናዊ ጻውዒት ሳክቲዝም እዩ፡፡

ንነገራት ኣጋኒንካ ምቕራብ ንሓቂ ክልውጥ ኣይክእልን።

መገዲ ሓቂ ምስትኽተል ኣብ ምድሪ የኽብረካ ኣብ ሰማይ ከኣ የጽድቐካ። እቲ ምንታይ ኣብ እትገብሮን እትዛረቦን ነገራት ንኻልኦት ብዘይግቡእ ከተኽፍእን ከተጸብቕን ዘይኮነስ ብፈሪሃ እግዚኣብሄር ተመሪሕካ ብቕንዕናን ብንጽህናን ከተከናውኖ ከምዝግባኣካ ፈሊጥካ ስለእትጓዓዝ ኢዩ። ኣብ ልዕሌኻ ክፍጸም ዘይትደልዮ ነገር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ንኸይትፍጽሞ ብርቱዕ ጥንቃቐ ስለትገብርውን’ዩ። እዚ ግና ኩሉ ዝዕደሎ ጸጋ ስለዘይኮነ ኣብዛ ንኹሉ ነገራት ጸይራ እትነብር ዓለም እዚኣ ጸይቂ ተግባራትን ዘረባታትን ጸብለል ኢሉ ዝርኣየሉ እዋን ከምዘሎ ብዙሕ ዘካትዕ ኣይኮነን። ብፍላይ ንፖለቲካዊ ጉዳያት ብዝምልከት መገዲ ጽድቅን ሓጥያትን ኣነጺርካ ምፍላጥ ዝሕርብተሉ ሕልኽላኻትን ጽንኩር ኩነታትን ተደጋጊሙ ይስትውዓልዩ። ሃገርና ኤርትራውን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ተርእዮታት ተሓጺራ ትነብር ብምህላዋ ናብ ራህዋ ዘሰጋግራ ንጹር ሜላ ከይተተግብር ብናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ጸሊም ደበና ተጋሪዳ ሓድነት ናይቶም ንህልውንኣ ዝቃለሱ ደቃ ሓሪሙዋ ናብ ናይ ብርሰት ጸድፊ ተገማጊማ ትርከብ። ብኣኣ ዝግደሱ ደቃ ተቐራሪቦም ንህልውንኣ መታን ከይቃለሱ ማእለያ ዘይብሉ ውዲታት እናተኣልመ እተተኻኢሉ ክጠፍኡ እንተዘይኮነ ከኣ ፋሕ ኢሎም ንኽተርፉ ዓቢ ናይ ጸለመ ወፈራ ክካየድ ንርኢ ኣለና።

ብፍላይ ሓድሓደ መንበድበድቲ ኣብ ተቓወምቲ ውድባት ገለ ፍልይ ዝበለ ኩነታት ምስዝኽሰት ፍንፉን ባህጎም ዝሰመረሎም ስለዝመስሎም መደናገሪ መናፍሖም ክዝርግሑ ኢዮም ዝጓየዩ። ከምዚ ዝበለ ተግባር ቃልዕ ከይወጸ እንተኣርከብካሉ  ብዙሕ ሃስያ ከየውረደ ብዝቐልጠፈን ዝቐለለን መገዲ ክትቆጽዮ ይከኣል’ዩ። ዝርግሐ ናይቲ ዘይቅኑዕ ፕሮፓጋንዳ ዝደጋገምን ሕንፍሽፍሽ ናብ ምፍጣር ዝጠመተን ወፈራ ምስዝኸውን ግን ንስለ ሓቂ ክትብል ግሉጽ መብርሂ ክትህበሉ ኣገዳሲ ይኸውን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ምንጩ ካበይ ኢዩ ብዘየገድስ ብዛዕባ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሕድሪ ሓደ ዝተዛብዐ ሓበሬታ ንንባብ በቒዑ ተመልኪትና። ቀንዲ መልእኽቲ ናይቲ ጽሑፍ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ምግምማዕ ከምዘሎ ኣምሲሉ ዝገልጽ ስለዝነበረ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣባላቱ ዘሻቕል ነቶም ብሞራልን ብንዋትን ዝሕግዙዎ ድማ ከምዝጠራጠሩ ዝገብር ኢዩ ኔሩ። እንተኾነ ግን ሽሕኳ ንሳቶም ኣመሎምን ተልእኾኦምን ኮይኑዎም ከንቱ ጻዕሪ እንተገበሩ ንነገራት ኣጋኒንካ ምቕራብ ንሓቂ ክልውጥ ኣይክእልን’ዩ። ብርግጽ ድማ ኣቐራርብኦም ምስቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ውድብ ሕድሪ ዘይራኸብ ንህልውና ናይቲ ውድብ ንምንዋጽ ተባሂሉ ዝድርበ ስሩይ ናይ ለኻዕካዕ መደረጓሕ ኢዩ። ብመሰረቱ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሕድሪ ናይ ሓሳብ ፍልልያት ከም መናዓዓቢ ዘይኮነስ ከም መሰረት ምዕባለ ዝርኢ ካብ ካልኦት ውድባት ፍልይ ዝበለ ኣኻይዳ ዝኽተል ውድብ’ዩ። መሰረታቱን መሪሕነቱን ናይ ሓባር ተረድኦ ክህልዎም ኣብ ዝደልዩሉ ዛዕባ ምርድዳእን ምዝታይን ልሙድ ባህሎም ስለዝኾነ እቶም በዚ ዲሞክራስያዊ ከይዲዚ ዝስምብዱ ጊላታት መለኽቲ ዘይሽሙ ክህቡዎ ከምዝፍትኑ ኣቐዲሙ ዝፍለጥ’ዩ።

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ብልዝብን ዘተን ሂወቱ ዝመርሓሉ ምኽንያት ኣብ ጠቕላላ ጉባኤኡ ዝጸደቐ መላእ ኣባላቱ ዝማሓደረሉ ሕገ-ህንጻ ስለዘለዎ ነቲ ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዝብል መርሆ ተኸቲሉ ዝጓዓዝ ውድብ ሙዃኑ ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን። ብመርትዖን ጭብጥን ዝተሰነየ  ናይ ዲሲፕሊናዊ ስነስርዓት ስጉምቲ ዝጠልብ ኩነት ምስዘጋጥም ድማ ብመሰረት እዚ ሕገ-ህንጻ እዚ ኢዩ መዓልቦ ዝግበረሉ። ግሃድኤ ሕድሪ ብኸምቶም ንህዝባዊ ቃልሲ ናብ ውልቃዊ ቢዝነስ ለዊጦም ተባሂሎም ዝሕመዩ ወይከኣ ብኸምቶም ኣብ ናይ ጽባሕ ኤርትራ ሓደስቲ መለኽቲ ክኾኑ ዝምነዩ ስሱዓት መራሕቲ ዝውነን ኣይኮነን። ውልቃዊ ረብሕኦም ኣብ ምህዳን ምድረ ሰማይ ብዝዓርቦም መራሕቲ ክዕብለሉ ብዘይፈቕዱ መሰረታት ዝተሃንጸ ኣድላዪ ኮይኑ ምስዝርከብ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን መራሕቱ ናይ ምልዋጥ ስርዓትን ባህልን ዘለዎ ውድብ ሙዃኑ ንኹሉ ክበርህ ዘለዎ ቁምነገር ኢዩ።ዝኾነ ይኹን ዝውሰድ ዲሲፕሊናዊ ስጉምቲ ንሓደ ኣኾሪኻ ነቲ ካልእ ንምሕጓስ ተባሂሉ ዘይኮነስ ዝተሓንጸጹ መደባት ብጽፈትን ብመትከላዊ ጽንዓትን ተተግቢሮም ኣብቲ ዝድለ ሸቶ ንምብጻሕ’ዩ።

 

ስለዚ ድማ እቲ ዝውሰድ ውድባዊ ስጉምቲ ካብ ስምዒታውነትን ፍኑውነትን ዝረሓቐ ኣራሚ፡መሃሪ፡ ሃናጺ ሙዃኑ ዝተኣምነሉ ህዝብን ሃገርን ማእከል ዝገበረ ኢዩ። ግሃድኤ-ሕድሪ ንዘይዲሞክራስያዊ ዝንባለታት ክጻወር ስለዘይክእልን ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ መንጎ ኣባላቱ ናይ ዕላማ ሓድነት ምህላዉ ንኸረጋግጽን  ንድሑር ኣተሓሳስባታትን ንዝጎዛዝዩዎ ናይ ለኻዕካዕ ዘረባታትን ብዘይ ንሕስያ ኢዩ ዝዋግኦም። እቶም ንኸምዚ ዓይነት ወረጃ ውድባዊ  ባህሊ ዘይተዓደሉ ካብ ውድብ ግሃድኤ ሕድሪ ብዙሕ ክመሃሩ ይኽእሉ ኢዮም። ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ሕድሪውን ካብ ካልኦት ዝማሃሮ ነገር እንተልዩ ኩሉሳዕ  ሸውሃቱ ክፉት’ዩ።ብቐንዱ ቃልሲ ናይ ሓባር ስለዝኾነ እቶም ካልኦት ኣካላት ደንበ ተቓውሞውን ነዛ ዘለናላ መድረኽ ብግቡእ መዚኖም ውሽጣዊ ሂወቶም ክደልድሉ ተስፋ ንገብር። እንተ ግሃድኤ ሕድሪ ግና ብዲሞክራስያዊ ኣኻይድኡ ደንፊዑ ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ምዕቡል ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ውድብ ሙዃኑ ብዘረጋግጽ ናህሪ ጉዕዙኡ ክቕጽል ኢዩ።

ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!

ብርሃነ ገብረመድህን

ሕዝቢ ተዋሕዶ: ኣቦኹም ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ?

 

Image result for eritrean patriarch antonios imaje

 

ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ፥ ኣቦ ኩሉ ክኾኑ፥ ነታ መንበር ቅዱስ ማርቆስ ሓዋርያ መተካእታ ክኾኑ፥ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ተመሪጾም “ይግብኦ” ኢልኩም ጸሊኹምዝመረጽክምዎም ኣቦኹም ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ?

 

ይትረፍ ክንድእም ዝኾኑ ቅዱስ ኣቦ ኩልና ኣጥፊእካ፥ ሓንቲ በጊዕ ጠፊኣቶ ዘይደሊ ሰብ የለን። እሞ ደኣ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት፡ ኣቦ ነቶም ዝወለድዎም ደቆም በዲለ እየ እሞ ይቕረበሉለይ ዝብል ግልቡጥ ዘረባ ዝሰማዕናን ዘንበብናን እንታይ ደኣ ተረኽበ ሕጂ? ከመዮ ምስላ ወለድና፥ “ሓሜን ኣቦኡ ጸሪፉ ይድረር።” ኢሎም ዝመሰልዎ፥ ኮይኑ ኣባ ሉቃስ ዝመርሕዎምምሕዳር ተዋህዶ ሃይማኖት፥ “ወላዲና ይቕረታ ስለ ዝሓተተና፥ እቶም ዝወለደና ደቁ ድማ መሓርቲ ስለ ዝኾንና ምሉእ ምሕረት ጌርና ኣሎና” ዝብል ይትረፍ ንኽትቅበሎ ንኽትሰምዖውንዘሕፍረካ ቃልን ጽሑፍን ሰሚዕና ኢና። እሞ ደኣ እቶም ተማሒሮም ተፈቲሖም፥ ምሉእ ይቕሬታ ጌርናሎም ዝተባህሉ ወዲ ቴስዓ (90) ዓመት ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣበይ ኣተዉ?

 

ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ዝመጸ ዘመን ብዝመጸ መንግስቲ እናተረግጸት ውልቀ ሰባት ናይ መበለጽን መጋየጽን እናገበርዋ ክነብሩ ክሳብ መዓስ እዩ? ካንዶ እዚ ህዝቢ ተዋህዶ መላገጺጥራይ ክኸውን ዩ?  ኣብ ነዊሕ ከይከድና ኣብ ኣርባዓታት፥ ኣብ ሱሳታት እዛ ቤተ ክርስቲያን ጅሆ ተታሒዛ፥ በዓል ቀሺ ዲሜጥሮስ፥ ሓንቲ ኢትዮጵያ ዘይበለ፥ ኣይጥመቕ ኣይፍታሕ፥ እናበሉምስጢረ ጥምቀተ ክርስትና ዝተኸልከሉ፥ ካብ መርዓ (ምስጢረ ተክሊል) ዝተነጸሉ፥ ኣብ ቀብሮም ፍትሓት ዘይተገብረሎም፥ ብህይወት ወለድናን ረይሳ ወለድናን ዝተጻወትዎ ከይኣክል፥ድሕሪ ናጽነትውን እንተ ኾነ ወዶም ዮፍታሄ ነዚ ርኹስ ተግባር መቀጸልታ ገይሩ ክሰርሓሉ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ድማ ኣባ ሉቃስ ቀሺ ድሜጥሮስ ምስ ወዶም ህዝቢ ተዋህዶ ንምድሃል ከምዝጠቐሞም ርእዮም: ነዚ ርኹስ ተግባር ብዝዓበየ መልክዑ ይቕጽልዎ ኣለዉ።

 

ክሳብ መዓስ እዩ ህዝቢ ተዋህዶ ኣብዚ ሓሸውየ ናይ ፖለቲከኛታት ክነብር? ክሳብ መዓስ እዩኸ ክግራህን ክብደልን?

 

ዘረባ ሓደ ሰሚዕካ ኣይትፍረድ እንድዩ ዝበሃል? ኣበይ ደኣ ኣለዉ እሞ እቶም ተኸሳሲ? ስለምንታይከ እዚ ኩሉ በደልን ኣደራዕን ኣብ ተዋህዶ ጥራይ? ነቶም ካልኦት ቀኒእናሎም ዘይኮነስእንቋዕ ካብዚ ናትና ሓሸሎም? ንምኽሳስ ዘይኮነስ ትብዓቶምን ሓቅነቶምን ንምምጓስ ናይ ካቶሊክ ጳጳሳት ሓውካ ኣበይ ኣሎ? ኢሎም ዓለም ዘናወጸ ተሪር መልእኽቲ ኣሕሊፎም።ህዝቦምን ካህናቶምን ኣብ ጎኖም ስለ ዝኾኑ፥ ክሳዶም ነፊሖም ኣብ መንጎ ህዝቦምን ሃገሮምን ሸነን ይብሉ ኣለዉ። ናይ ከኒሻ ኣመንቲ፥ ነዚ ኩሉ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዝተስጐ መዕቆቢዝሰኣነ መንእሰይ ጽላል ኮናካ ኣሎኒ ኢሎሞ ስለምንታይ እዚ ጌርኩም ኢሉ ዝሓቶም ኣካል የለን። ሓሳባትኩም ምስናትና ሓሳባት እምነትኩም ምስ ናትና እምነት ኣይሰማማዕን ንዝበልዎካብ ጉባኤኦም ሰጒጎሞ እምበር ተኸታቲሉም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣየእሰርዎምን። ከመይሲ ህዝቦምን መሳርህቶምን ኣብ ጎኖም ኣለዉ። ናይ ኣስላም ሙፍቲ መን ተንከፎም?  ንምንታይደኣ ተዋህዶ እዚ ኩሉ ሽግር ይገጥመና?

 

እቲ ጉዳይ ንጹር እዩ. እቲ ህዝቢ ንሃይማኖቱ ክፈልጥን ክመሃርን ዕድል ኣይረኸበን። ከምተን ካልኦት ሃይማኖታት ካብ ደገ ዝረኽቦ ሓገዝን ደገፍን’ውን የብሉን። ንከባቢ 2000 ዓመታትባዕሉ እዩ ሰለይ ክብል ጸኒሑ። ብጀካ እቲ ኣብ ገዳማትን ገጠራትን ዝወሃብ ባህላዊ ዝኾነ ኣወሃህባ ትምህርቲ ምስ ዓለም ዝዳረግን ዝወዳደርን ናይ ስነ መለኮት ቤት ትምህርቲ ዘይብላ እንኮቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም፥ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኤርትራ ጥራይ እያ። ህዝባ ኣብ ራዕድን ፍርህን እዩ ዝነብር።

 

ነገር ግርምቢጥ ኮይኑ እምበር ይትረፍ ነቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝወለደካ መንፈሳዊ ኣቦኻ ክትከሽ፥ ነቲ ብስጋ ዝወለደካ ኣቦኻ እኳ ብባህልና ኣቦይ ይብድለኒ ኣሎ እሞ ዓበይቲ ተገፉዑለይይበሃል እምበር ወላዲ ኣይክሰስን፥ ወላዲ ንውሉዱ ድማ ኣብ ብርኩ ወዲቑ ይቕረ ኣይብለሉን እዩ።

 

ህዝቢ ክርድኦ ዘለዎ ሓቂ’ውን ኣሎ። ተኣሲሮም ብሓይሊ ካብ ስልጣኖም ወሪዶም ዘለዉ ፓትርያርክ እዮም። ህዝቢ ኣብ መንጎ ጳጳስ፡ ሊቀ ጳጳስን ፓትርያርክን ዘሎ ፍልልይብዘይምፍላጡ፥ ሓደ ተራ ጳጳስ ከም ዝተኣስረ ጌሩ ዝርድኦ ብዙሕ እዩ። ፓትርያርክ፥ ንጳጳሳት፥ ንሊቃነ ጳጳሳትን ዝቐብኡ ኣቦ እዮም። ንኣብነት፥ እቶም ኣብዚ ዝሓለፈ በዓል ቅዱስ ዮሃንስቡራኬ ዝሃቡ ኣባ ሉቃስ፥ ብፓትርያርክ እንጦንዮስ እዮም ተቐቢኦም። እዚ ኮይኑ እቲ ሓቂ፥ እቶም ቀንዲ ጸላኢ ከም ይሁዳ ንኢየሱስ ክርስቶስ ንሞት ኣሕሊፉ ዝሸጦ ድማ ኣሕሊፎምሸይጦሞ ከይኣክል፥ እንደገና ድማ ክዳኖምን መስቀሎሞን መንዚዖም ተኸዲኖም ንህዝቢ ቡራኬ ክህቡ ንርእዮም ኣሎና።

 

እዝስ መርገምዶ ኣየስዕብን?

 

ህዝቢ ተዋህዶ ኣቦኹም ፓትርያርክ እንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ?

 

እዝራ ጸሓፊ።

 

tewahdo.org

September 23, 2016 (KHARTOUM) – Sudan’s Federal Ministry of Health on Friday announced that Blue Nile State is free of watery diarrhea after dozens of people died of the disease in the state.

ኣብ ኤርትራ’ውን እቲ ሕማም ሓያሎ ሰባት የጥቕዕ ምህላዉ ሰብ ሞያ ጥዕና እኳ እንተረጋገጹ፣ ሚኒስትሪ ጥዕና ግና ዝኾነ መግለጺ ይኹን ህዝቢ ክጥንቐቐሉ ብዛኦባ ዝግባእ መብርሂታት ኣይሃበሉን።

ሕማም፣ ሸሮኽ ወ ኮሌራ ምዃኑ (radio erena)

 

JPEG - 14.8 kb
A child receives an oral cholera vaccine dose in the South Sudan capital, Juba (Medair Photo)

According to the Under-secretary of the Federal Ministry of Health, Essam al-Din Mohamed, 55 people died from watery diarrhea and 2619 cases have been reported across Sudan, with Blue Nile State is the highest in the number of infections.

State Minister for Health, Sumia Akad said that the reported cases are below the normal average and the number of cases admitted to the 30 centers assigned for the epidemic control were 31 cases on Wednesday, 19 cases on Thursday and 8 cases on Friday.

The federal state minister is visiting the Blue Nile state after media reports and statements by the opposition parties about cholera outbreak in the troubled region where the government forces carry out a counterinsurgency military campaign on the SPLM-N rebels.

In statements to the official Sudan News Agency (SUNA) during her tour to the health centers and dispensaries the minister said that 27 centers did not report any new cases on Friday.

Last week , Federal Ministry of Health acknowledged that hundreds of people in Blue Nile State were infected by watery diarrhea caused by (E. coli) bacteria stressing that the epidemic in not cholera.

“The emergency health room will continue its efforts and more units of water purification would be added,” stressed Akad who also praised the role of youth women and students groups participating actively in the local efforts to raise awareness and prevent the spread of the disease.

The minister pointed that the federal government has provided sprayers, pesticides, drugs and garbage collection vehicles to enhance environment health in two of Blue Nile State localities.